ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ነቲ ቃልሲ ንድሕሪት ዝመልስ ሓይሊ የለን ኢሉ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ንዘመናት ዝተቃለሰሉ ዓርሰ ምሕደራ ብሪፈረንደም ንምግሃድ ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ በፂሕና ኣለና ክብል ገሊፁ።

ነዚ ወሳኒ ምዕራፍ እዚይን ነቲ ናብ ምውዳእ ገፁ ዘሎ ህዝባዊ ኲናትን ድማ ደው ዘብሎ ዝኾነ ሓይሊ የለን ዝበለ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ን ናይ ሰላም ዘተ ተሓሲሙ ፋሕጠርጠር ዝብል ዘሎ ጉጅለ ፋሽሽት ኣብዪ ኣብ ሓፂር እዋን ከም ዝድምሰስ ዘጠራጥር ኣይኮነን ክብል ገሊፁ።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ካብ ገለ ገለ ከተማታት ምንስሓቦም ስዒቡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ቃልሲ ሰራዊት ትግራይ ንድሕሪት ይምለስ ከም ዘሎን ብወገን ሰራዊት ኢትዮጵያ ድማ ዓወታት ይሕፈሱ ምህላዎምን ክገልፅ ዝፀንሐ እኳ እንተኾነ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ግና ጉጅለ ፋሽሽት ኣብዪ ኣብ ሓፂር እዋን ክድምሰስ እዩ ክብል ገሊፁ እዩ።