ኣብ ወረዳ ኣጽቢ ወንበርታ ኣስታት ሓደ ነጥቢ ሸውዓተ ቢልዮን ብር ሃፍቲ ብወታደራት ኢትዮጲያን ኤርትራን ከምዝዓነወ ተገሊፁ።

ኣብ ወረዳ ኣጽቢ ወንበርታ ኣስታት ሓደ ነጥቢ ሸውዓተ ቢልዮን ብር ሃፍቲ ብወታደራት ኢትዮጲያን ኤርትራን ከምዝዓነወን ከምዘመተን ኣብቲ ከባቢ ዝተገበረ ናይ መጀመሪያ ብርኪ ዳህሳስ ኣመላኪቱ።

እቲ ኣብቲ ወረዳ ዝተገበረ ዳህሳስ ከመዘመላክቶ ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ኣብ ልዕሊ ንብረትን ሃፍቲን መንግስቲን ህዝቢን እቲ ከባቢ ሰፍ ዘይብል ዕንወት ዘብጽሑ እንትኸውን ቀዳማይ፣ ካልኣይን መሰናዶኦ ቤትምህርቲን ከሙኡ እውን መሰልጠኒ ሕርሻን እቲ ወረዳ ዝዓነየ እንትኸውን ብጠቅላላ 14 ቤት ትምህርቲ እቲ ከባቢ ሙሉእ ንሙሉእ ከምዝዓነየ ኣተሓባባሪ መከተ እታ ወረዳ ኣይተ ሙሉ ኣማረ ንቴለቪዥን ትግራይ ተዛሪቡ።

ብተወሳኪ ሓደ ጥዕና ጣብያ ዘለዎ ሸሞንተ ናይ ጥዕና ኬላታት ብሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያን ካብ ጥቅሚ ወጻኢ ከምዝኮናን ውሽጣዊ ናውተን እውን ከምዝተጋሓለ ዘብርሀ እንትኸውን ክልተ ናይ እንስሳ ጥዕና ኬላታት እውን ሙሉእ ንሙሉእ ተዘሚቱ ንብረቱ ከምዝተወሰደ ኣብሪሁ።

ኣብ ልዕሊ ንብረት ካብ ዝበጸሐ ዕንወት ብተወሳኪ ኣብቲ ወረዳ ሂወት ልዕሊ 52 ሰባት ዝበለ ጅምላዊ ቅትለት ዝተፈጸመ እንትኸውን ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ እውን ብሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጲያ ጾታዊ ዓመጽን መጥቃዕቲን ከምዝበጸሐ ግዳያት ኣዘራሪቡ ቴሌቪዥን ትግራይ ጸብጺቡ።