ሽዱሽተ ሓያላን ሃገራት፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ብሄረ ተጋሩ ዘካይዶ ዘሎ ግፍዕን ማእሰርትን ደው ከብሎ ፀዊዐን።

እተን ብመገዲ ክፍሊ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣቢለን ሓበራዊ መግለፂ ዘውፀኣ፡ ሃገራት ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ አውስትራሊያ፣ ዴንማርክ፣ ኔዘርላንድስን ኢንግሊዝን እንትኾና ኣብ ልዕሊ ብሄረ ተጋሩ ዝግበር ዘሎ ጅምላዊ ማእሰርቲ ኣዚዩ ከምዘሻቐለን ሓቢረን።

እተን ሃገራት ወሲኸን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ዝኣወጆ ኣዋጅ እቶ እቶ ብርክት ዝበሉ ተጋሩ ብብሄሮም እናተሓረዩ ብዘይ ክሲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ይዳጎኑ ከምዘለው ገሊፀን።

ከምኡ እውን ንመግለፂ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናልን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ብምጥቃስ ማእሰርቲ ኣቕሽሽቲ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ፣ ኣረጋውያን፣ ኣደታት ምስ ደቀን ሓዊሱ መጠነ ሰፊሕ ማእሰርቲ ብሄረ ተጋሩ ይፍፀም ከምዘሎ ሓቢረን።

ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ “ሰባት ከይተኸሰሱ ይእሰሩ፣ ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘይቐርቡን ኣብ ዘስካሕክሕ ኩነታት ተኣሲሮም ከምዘውን ድማ ኣቃሊዐን።

ብምዃኑ እውን እዚ ማእሰርቲ ሰለማውያን ሰባት ዓለምለኸ ሕግታት ዝጥሕስ ከምዝኾነን ብቕልጡፍ ደው ክብልን ኣተሓሳሲበን።

ብተወሳኺ ኲናት መፍትሒ ከምዘይኮነን ኩሎም ተፃባእቲ ሓይልታት ብዘይ ቅድመ ኩነት ተኹሲ ደው ኣቢሎም ናብ ዘተ ክመፁን ኣብ ኵናት ትግራይ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወጊኑ ዝዋጋእ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ ድማ ካብ ኢትዮጵያ ክወፅእን ኣጠንቂቀን ኣለዋ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ኢትዮጵያ ንኹሉ ዘካተተ ፖለቲካዊ ልዝብን ሃገራዊ ምርድዳእን ክሳለጥ ፀዊዐን።