ሕብረት ማሕበራት ኦሮሞ፣ ተጋሩ፣ ጋምቤላን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ኣብ ኣውስትራልያ ሰልፊ ተቃውሞ ኣካይዶም።

ኣባላት ፌዴሬሽን ሲቪክ ማሕበረሰብ ኦሮሞ፣ ሕብረት ማሕበረሰብ ተጋሩ፣ ሕብረት ማሕበረሰብ ህዝብታት ጋምቤላን ካልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያን ኣብ ኣውስትራሊያ ሎሚ ሕዳር 30, 2014 ዓም ዓብይ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ምፅናት ዓሌት ጠጠው ንኽብልን ብዛዕባ እዚ ኲናት ኣውስትራሊያውያን ትኽክለኛ ርድኢት ክህልዎምን ዝዓለመ እዚ ሰላማዊ ሰልፊ፣ ብፍላይ ኣብ ህዝብታት ትግራይ፣ ኦሮሞ፣ ቅማንት፣ ኣገው፣ በርታ፣ ጉሙዝ፣ ወላይታ፣ ሲዳማ፣ ጋምቤላ፣ ከምባታ፣ ሃዲያ፣ ኮንሶን ካልኦትን ዝግበር ቅትለትን ምፍንቓልን ብፍጥነት ጠጠው ክብል ዝሓትት ዩ።

ኣብ ንፁሃት ዝፍፀም ግፍዒ፣ ፆታዊ ዓመፅ ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃም፣ ኣብ ንፁሃት ዝፍፀም ደብዳባት ድሮንን ነፈርቲ ውግእን፣ ኣብ ትግራይ ዝፍፀም ከበባን ክልከላ ሰብኣዊ ሓገዝን፣ ጅምላዊ ማእሰርቲ ተጋሩን ኦሮሞን ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያን ውዘተ ደው ክብል ኣብ መወዳእታ ሰልፎም ኣብ ዘውፀእዎ መግለፂ ናይ ሓባር ቅዋም ሓቲቶም።

ካልአይቲ ገዛና ዝበሉዋ ኣውስትራልያ ዘመስገኑ እዞም ሕብረት ማሕበራት፣ መንግስቲ ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ደው ክብል እጃሙ ከወፊ ተላቢዮም።

በዚ መሰረት መንግስቲ ኣውስትራልያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ግፍዕን ጭካነን ጀኖሳይዳል ኲናት ኣብዪ ከወግዝ፣ ዲፕሎማስያዊ ፀቕጢ ክፈጥር፣ ዘይተገደበ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ክህሉ ክፅዕር፣ ዘርኢ መሰረት ዝገበረ ጅምላ ማእሰርቲ ተጋሩን ኦሮሞን፣ እሱራት ፖለቲካ ፍሉይ ሓለዋ ክግበረሎም ከምኡ ውን ምስ ካልኦት ሃገራት ኮይና ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ክትፈጥር ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ተጋሩ፣ ኦሮሞን ካልኦት ፈተውቲ ሰላምን ብሓባር ዝተፈላለዩ ሰልፍታት ብምክያድ ግፍዐኛ መንግስቲ ኣብይ እንዳውገዙ ከምዝርከቡ ይፍለጥ።