ብኣማኢት ማይላት ርሕቐት ካብ ኲናት ትግራይ ዘመለጡ ተጋሩ ሐዚ ውን ኣብ ስግኣት ከምዘለው ብሉምበርግ ኣቃሊዑ።

ኣዝማዶምን ኣዕርኽቶምን ኣብ ጎቦታት ትግራይ ክሞቱ ሪኦም፣ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣምሊጦም፣ ጉቦ ከፊሎም፣ መቑሰልቲ በፂሑዎም ካብቲ ተስፋ ዘቑርፅ ኲናት ኣምሊጦም ኬንያ ዝኣተው ተጋሩ ክንድዚ ርሕቐት ተጓዒዞም ውን ካብ ስግኣት ነፃ ኣይወፁን ይብል ፀብፃብ ብሉምበርግ።

ብሉምበርግ ዘዘራረቦም፣ ኣርባዕተ ዑቕባ ሓተትቲ ተጋሩ፣ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ኣብ ናይሮቢ ምስ በፅሑ ካብ ሓደጋ ነፃ ዝኾኑ መሲሉ ተሰሚዕዎም ከምዝነበረ ገሊፆም።

እዞም ሰለስተ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ሓደ ጋዜጠኛን ካብቲ ኲናት ርሒቖም ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ምንባር እንትጅምሩ ኣብ ዲሞክራስን ምርግጋዕን ኬንያ ብምትእምማን ውሑስነት ተሰሚዑዎም ነይሩ።

ይኹን እምበር ብዙሕ ከይፀንሐ ስግኣት ፀጥታ ኣብ ፍርሒ ከምዘእተዎም ገሊፆም። ኣባላት ስለላ ኢትዮጵያን ኤርትራን ተጋሩ ይስልሉ ከምዘለው ዝገልፁ ወረታት ተበራኸቱ።

እዚ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓደ ሳምሶን ዝበሃል ትግራዋይ ነባሪ ኬንያ በዓልሃፍቲ ኣብ ብፀሓይ ቀትሪ ኣብ ማእከል ፅርግያ ናይሮቢ ብምትሕብባር ትራፊክ ፖሊስ ካብ መኪንኡ ተጎቲቱ ብሓይሊ ክውሰድ ብምኽኣሉ ዝበኣሰ ህይወት ኣሽሓት ተጋሩ ሓተትቲ ዑቕባ ኣብ ሓደጋ ምውዳቑ ግሁድ ኮነ።

ካብ ዝውሰድ ልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ዝኾኖ ሳምሶን ተኽለሚካኤል ጨዋይኡ መን ምዃኑ፣ ንምንታይ ከምዝጨወይዎን ኣበይ ከምዝርከብን ፖሊስ ኬንያ ክፈልጥ ኣይክኣልኩን ይብል። ምርመራ ዝቐፀለ ኮይኑ፣ እቲ ኩነት ግን ቅሉዕ ናይ ፀጥታ ክፍተት ከምዘሎ ዘግሀደ ኮይኑ.

ድሕሪ እዚ ኩነት ብዙሓት ተጋሩ ኣብ ከቢድ ስግኣት ከምዝኣተው ዝፀብፀበ ብሉምበርግ፣ ዝስመዖም ዝነበረ ነፃነት ተገፊፉ ካብ ገዝኦም ምውፃእ ክሳብ ዝሰግኡ ምዃኖም ብዙሓት ሓተትቲ ዑቕባ ገሊፆም።

ድሕሪ ወራር ትግራይ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀር ትግራዋይ ካብ መረበቱ ተፈናቒሉ ኣብ ሱዳንን ኬንያን ከምዝኣተወ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ ኬንያ ጥራሕ ናብ 200 ዝፅግዑ ሓተትቲ ዑቕባ ተጋሩ ከምዘለዉ ሓደ ሓደ ፀብፃባት ይሕብሩ።