ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፊልትማን፡ ኣብ ሃገራት ግብፂ፡ ዓረብ ኢምሬትስን ቱርክን ምብፃሕ ከምዘካይደድ ተገሊፁ።

ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፊልትማን፡ ኣብ ሃገራት ግብፂ፡ ዓረብ ኢምሬትስን ቱርክን ምብፃሕ ዘካይድ ዘሎ ቅልውላው ኲናት ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ መፍትሒ ንምንዳይ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ብምዃኑ እውን እቲ ፍሉይ ልኡኽ ሎሚ ናብ ዓረብ ኤምሬትስ ዘምርሕ እንትኸውን ፅባሕ ዓርቢ ድማ ናብ ሃገራት ቱርክን ግብፅን ከምዝኸይድ ኣፈኛ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኔድ ፕራይስ ኣብሪሁ።

ኣሜሪካ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ዝኾኑ ሓይልታት፡ ነቲ ኲናት ብህፁፅ ደው ንኸብልዎ ተደጋጋሚ ምሕፅንታ ዋላ እኳ እንተካየደት ስርዓት ኢትዮጵያ ግን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኲሉ ዓይነት ኲናት ምክያዱ ከምዝቐፀሎ ዝፍለጥ እዩ።

እንተኾነ ንኣሜሪካ ሓዊሱ ምዕራባውያን ሃገራት፡ ህልውና ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንምርግጋፅ ዘይኮነስ ኢትዮጵያ ንዘይምፍራስን ኣቢ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ንምቕፃልን ዝዓለመ ከምዝኾነ ብዘሓት ይገልፁ።