ኣሜሪካ ብሽም ሰብኣዊ ረዲኤት ኣብ ምውዳቕ ዝርከብ መራሒ ኢትዮጵያ ንምድሓን ትሰርሕ ከምዘላ ፀሓፊ ኲናትን ግዝኣታትን ዶ/ር ኤድዋርድ ሃንት ኣቃሊዑ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ኲናት ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቀውሲ ይፈትሕ ኣለኹ ትበል እምበር ብሓቂ ግን ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕ ዝብል ናይ ባዕላ ኣጀንዳ ያ ትሰርሕ ዘላ ክብል ኣብ ዙርያ ኲናትን ግዝኣታትን ፀሓፍን ተማራማርን ዶ/ር ኤድዋርድ ሃንት ንፕሮግረሲቭ ኣብ ዝፀሓፎ ገሊፁ።

ነቲ ጭቋኒ መራሒ ካብ ስልጣኑ ናይ ምእላይ ዕላማ ሒዞም ሓይልታት ትግራይ በርቲዖም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተፀግዕሉ እዋን ሰበስልጣናት ኣሜሪካ፣ ንመንግስትነት ኣብይ ንምድሓን ኲናት ጠጠው ክብል ደጋጊሞም ይፅውዑ ኣለው።

“እቲ ኩነታት እንዳተጋደደ እዩ ዝኸይድ ዘሎ፣ ንሕና ናይብሓቂ ፈሪሕና ኣለና” ክብል ኣምባሳደር ጀፍረይ ፌልትማን ኣብዚ ወርሒ መጀመርታ ገሊፁ ነይሩ ዝበለ ኤድዋርድ ሰበስልጣናት ኣሜሪካ ኲናት ጠጠው እንተዘይኢሉ ሓይልታት ትግራይ ንኣብይ ካብ ስልጣን ክኣልይዎ ዮም ዝብል ዓብይ ፍርሒ ከምዘለዎም ገሊፁ።

እቲ ዓሚ ሰራዊቱ ናብ ትግራይ ብምልኣኽ ኲናት ዝጀመረ ኣብይ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፈአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ኣብፂሑ ዩ ዝበለ ዶ/ር ኤድዋርድ፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰበስልጣናት ኣሜሪካ ብሽም ሰብኣዊ ረድኤት ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ትግራይ ፅዕንቶ ብምፍጣር ኣብ ክልቲኡ ወገን ዘለው ሰበስልጣናት ናብ ድርድር ክመፅኡ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ከምዘለው ይዛረብ።

ካብዚ ሓሊፉ፣ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዋ ረብሓ ንምሕላው ወተሃደራዊ ኢድ ኣእታውነት ክትገብር ኣለዋ ዝብል ፃዊዕት ውን ካብ ሓደ ሓደ ተንተንቲ ተሰሚዑ ዩ።

ሰበስልጣናት ኣሜሪካ ኢትዮጵያ ናብ ሙሉእ ሰብኣዊ ቅልውላው ከይትኣቱ ንሰግእ ኢና ይበሉ እምበር ሓይልታት ትግራይ ስዒሮም ህወሓት ናብ ስልጣን ተመሊሳ ናይ ኣብይ ኒዮሊበራሊዝምን ጂኦፖለቲካዊ ኣጀንዳን ናብ ዝነበሮ ከይትምልሶ ስለዝሰግኡ ዩ ይብል ዶ/ር ኤድዋርድ።

ኣብዞም ዝሓለፉ ሒደት ሰሙናት ግስጋሰ ሓይልታት ትግራይ ብቕፅበት ተሰሪዙ ሰራዊት ትግራይ ካብ መብዛሕትኦም ትሕዝቶታት ኣምሓራ ንድሕሪት ከምዘንሰሓበ ይፍለጥ። ብርክት ዝበሉ ተንተንቲ ፖለቲካ እዚ ምስናይ ኣሜሪካ ትልሚ ምድሓን ኣብይ ዝተሓሓዝ ዶ ይኸውን ዝብሉ ኣለው።