ትግራወይቲ ሲስተር ሙሉ መስፍን፡ ብሰራዊት ኢትዮጵያን መላፍንቱን ፆታዊ ዓመፅ ንዝበፅሐን ተጋሩ ንዝገበረቶ ሞያዊ ሓገዝ ካብ ተፅዕኖ ፈጠርቲ ዓለምና ኮይና ተሮቒሓ።

ትግራወይቲ ሲስተር ሙሉ መስፍን ብማዕከን ዜና ቢቢሲ ካብ 100 ደቂ ኣንስትዮ ዓለምና ናይ 2021 ተፅዕኖ ፈጣሪት ኮይና ከምዝተመረፀት ተሓቢሩ።

ሲስተር መሉ ልዕሊ፡ 10 ዓመታት ብዘፈር ሞያ ሕክምና ዘገልገለት ክትከውን ከላ ብቐንዱ ድሕሪ ኣብ ዝሓለፈት ዓመት ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ዝበፅሐ ፆታዊ ዓመፅ ሞያዊ ኣገልግሎት እናሃበት ከምዝፀንሐት ተሓቢሩ።

ትግራወይቲ ሲስተር ሙሉ መስፍን፡ ካብ ተፅዕኖ ፈጠርቲ ዓለምና ኮይና ተሮቒሓ።

ትግራወይቲ ሲስተር ሙሉ መስፍን ካብ 100 ደቂ ኣንስትዮ ዓለምያ ናይ ቢቢሲ 2021 ተፅዕኖ ፈጣሪት ኮይና ከምዝተመረፀት ተሓቢሩ።

ኣብ መቐለ one stop center “OSC” ማለት እውን ማእከል ሕክምናዊ ኣገልግሎት እናሰርሐት ዝፀንሐት ክትከውን ከላ ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ ልዕሊኤን ፆታዊ ዓመፅ ዝተፈፀመለን ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ንዝሃበቶ ሞያዊ ድጋፍ ማዕከን ዜና ቢቢሲ ፅዕንቶ ፈጣሪት 2021 ዓለምና ኢሉ ሮቒሑዋ ኣሎ።

ሲስተር ሙሉ ስርዓት ኢትዮጵያን ኤርትራን ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ሒዞምዋ ከለው ብዘይወላሓደ ስግኣት ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ በቶም ፋሽሽታውያን ወረርቲ ዝበፅሐ ግፍዕን ፆታዊ ዓመፅን እናቃለዐት ከምዝመፀት ዝፍለጥ እዩ።