ኣብ ትግራይ፡ ንኩሉ ዓቕምታት ዘማእኽል “ስሙር ብሄራዊ ባይቶ” ክጣየሽ ውድብ ባይቶና ፀዊዑ።

ህዝቢ ትግራይ ገጢሙዋ ዘሎ ኩለመዳያዊ ክባን ዕፅዋን ብባህሪኡን ብዝጠልቦ ግብረ መልስን ዝተፈለየ ስለዝኾነ፣ ካብቲ ዝተለመደ ኣካይዳ ፍልይ ዝበለ መስርሕ ብምፍጣርን ውህሉል ዓቕምታት ትግራይ ብምጥቃም ክብዳህ ኣለዎ ኢሉ ከምዝኣምን ውድብ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ እውን እቲ ውድብ ነዚ ንምስላጥ ትግራይ ኩሉ ዓቕምታታ ኣዋዲዳ ክትጥቀም ዘኽእላ ንኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ዝሓቁፍ “ስሙር ብሄራዊ ባይቶ” ክጣየሽ ሓሳብ እናቕረበ ምምፅኡ ኣዘኻኺሩ፡፡

በዚ ኣቢልካ ድማ ናይቲ ፖለቲካ ብልሒ ጫፍ ዝኾነ ውግእ ኣብ እዋኑ ክዕወት ብምግባር እቲ ኩለመዳያዊ ኲናት እውን ብተመሳሳሊ ብዓወት ክዛዘም ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ንክፍጠር ዝዓለመ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ቀንዲ ዕላማ “ስሙር ብሄራዊ ባይቶ” ድማ ትግራይ ዓቕምታትን ፀጋታትን ብምእካብ፣ ብዘይሓንቲ ምንጥብጣብ ብስምረትን ሓድነትን ንቕድሚት ክትስጉም ምግባር ከምዝኾነ ባይቶና ኣብሪሁ፡፡

ከምኡ እውን ዓቕምታት ትግራይ ካብ ምእካብ ብተወሳኺ፣ ኣብ ውሽጥና ስምምዕ፤ ምድግጋፍ፤ ስኒትን ስምረትን ከምዘምፅእን ሰፊሕ ዲፕሎማስያዊ ከስቢ ከምዘለዎን እውን ኣተሓሳሲቡ።

እንተኾነ ግን መንግስቲ ትግራይ ነዚ ቅኑዕን ትኽክለኛን ሕቶ ሓደሓደ ግዘ ምስ ፃውዒት ምስረታ ስግግር መንግስቲ፣ ካሊእ ግዘ ምስ ስልጣን ምክፋል ብምምስሳል ናብ ህዝቢ ኣዛቢዑ ብምቕራብ ክሳብ ሎሚ እቲ ውድብና ዝፀወዖ ይኹን ካሊእ መማረፂ መድረኽ ከይፈጠረ በይናዊ ጉዕዞ ይጓዓዝ ከምዘሎ ውድብ ባይቶና ኣብሪሁ።

ሐዚ እውን እንተኾነ መንግስቲ ትግራይ፡
በይናዊ ውሳነ ደው ኢሉ ብኣንፃሩ መፃኢ ኣንፈት ትግራይ ዝንፅርን ኹሉ ዝሓቁፍ ሓባራዊ መድረኽ ንክፍጠር፤ ነቲ ገጢሙና ዘሎ ፈተና እዋኑ ዝሓለወ ብቑዕ መልሲ ብምሃብ ኣብ ምዕዋት ህዝባዊ ኲናት ቁልፊ ግደ ክፃወቱ ዝኽእሉ ኩሎም ኣካላት ትርጉም ብዘለዎ መጠን እጃሞም ንከወፍዩ ናብቲ ሓባራዊ መድረኽ ፃውዒት ክግበረሎምን ፖለቲካዊ ዕላማ እቲ ኲናት ተነፂሩ ከም ተጋሩ ኣብ ዙርያ ቀንዲ ረብሓታት ትግራይ ናይ ዕላማ ሓድነት ክፍጠርን ደጊሙ ከምዝፀወዐ እቲ ውድብ ኣፍሊጡ።