ወረርቲ ሓይልታት ሓራ ኣብዘይወፃ ከባብታት ትግራይ ፆታዊ ዓመፅ ከምመሳርሒ ኲናት ምጥቃም ይቕፅልሉ ከምዘለው ተገሊፁ።

ወረርቲ ሓይልታት ኣብ ልዕሊ እቲ ሓራ ኣብዘይወፃ ከባብታት ትግራይ ዝነብር ህዝቢ ፆታዊ ዓመፅ ከምመሳርሒ ኲናት ምጥቃም ይቕፅልሉ ብምህላዎም ከምዘተሓሳሰቦ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ኣፍሊጡ።

እቲ ቢሮ ብምኽንያት ቅነ ፃዕዳ ሪቫን ምስ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ብምውዳድ ዘዳለዎ ኮንፈረንስ ዝኸፈተት ሓላፊት ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ወይዘሮ ለምለም ሓድጉ ልፍንታዊ ወረርቲ ሓይልታት “ካብ ጓል ክልተ ዓመት ህፃን ክሳብ ጓል 90 ዓመት መነኩሴ ብምድፋር ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ከምመሳርሒ ኲናት” ምጥቃሞም ኣብሪሃ።

ሰራዊት ትግራይ ካብ መብዛሕትኡ ከባብታት ትግራይ ምስፀራረጎም እውን ኣብተን ክሳብ ሐዚ “ሓራ ዘይወፃ ከባብታት ፆታዊ ዓመፅ ብስፍሓት ቀፂሎምሉ ይርከቡ” ክትብል ሓቢራ።

ወይዘሮ ለምለም ሓድጉ ወሲኻ እዞም ወረርቲ ሓይልታት ቃሎምን ተግባሮምን ምፅናት ዘርኢ ምፍፃሞም እኹል መረዳእታ ምዃኑ ብምሕባር እዞም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተፈፀሙ ግፍዕታት ኣብ ምስናድ ልዑል ርብርብ ክግበር ፀዊዓ።

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣባ ጥዑም በርሀ ኣብያተ እምነት ኣብ ከቢድ ስነ-ልቦናዊ ጉስቁልና ንዝርከባ ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን ወገናት ኣብ ምድጋፍ ክሰርሓ ምዒዶም።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ኢድ ፀላኢ ኣብ ዘለዋ ከባብታት ትግራይ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀበባ ምህላው ዝሓበሩ ኣባ ጥዑም ህዝቢ ትግራይ ብዘላቕነት ውሑስ ኣብ ዝኾነሉ መንገዲ ተዋዲድካ ምስራሕ ከምዘድሊ ጠቒሶም።

መምህር ሓሰን ኑርሑሴን ብወገኖም ፅዕንቶታት እቲ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ደቂ ኣነስትዮ ዝበፅሐ ፆታዊ ዓመፅ ከምመሳርሒ ኲናት ናይ ምጥቃም ግፍዒ ንምንካይ ዝተዋደደ ግልጋሎት ጥዕናን ስነ-ልቦናዊ ድጋፍን ምግባር ከምዘድሊ ኣብሪሆም።

ካብ ማእኸል ድጋፍ ሓደ ማእኸል ፆታዊ ጥቕዓት ሲስተር ሙሉ መስፍን ብወገና ነተን ጥቕዓት ዝበፀሐን ወገናት ሕክምናዊን ስነ-ልቦናዊን ድጋፍ ንምሃብ ኣብዝግበር ፃዕሪ እቲ ሐዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕፅዋን ክባን ከቢድ ዕንቅፋት ምፍጣሩ ገሊፃ።