ኣብ ትግራይ ፆታዊ ዓመፅ ካብ ዝበፅሐን ደቂ-ኣነስትዮ እተን 30 ሚእታዊት ህፃናት ምዃነን ሓደ መፅናዕቲ ኣረጋጊፁ።

ፆታዊ ዓመፅ በፂሑወን ፀብፃብ ካብዝገበራ ደቂ-ኣነስትዮ እተን 30 ሚእታዊ ህፃናት ምዃነን ዩኒቨርሲቲ መቐለ ምስ ቢሮ ጉዳይ ደቂ ኣነስትዮ ትግራይ ብምውዳድ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ኣረጋጊፁ።

ሓጋዚ ፕሮፌሰር ጥዕና ኣዴታት ዩኒቨርሲቲ መቐለ መብራህቱ ሃፍቱ ከምዝሓበሮ ካብተን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ቅሉዕ ወራር ስዒቡ ብወተሃደራት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ገባቲ ሓይሊ ኣምሓራን ፆታዊ ዓመፅ ዝበፅሐን ተጋሩ እተን 30 ሚእታዊ ትሕቲ 18 ዓመት ህፃናት ከምዝኾና ኣፍሊጡ።

መብዛሕትአን ን ኤች ኣይ ቪ ኤድስን ፌስቱላን ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ሓዊሱ ብምዕማፀን ካብዝተፈጠረ ስነ-ልቦናዊ ማህሰይቲ ብተወሳኺ ንከቢድ ጎናዊ ሕማማት ምቅለዐን ብዝተኻየደ መፅናዕቲ ምፍላጡ እቲ በዓል ሞያ ሓቢሩ።

ሓጋዚ ፕሮፌሰር መብራህቱ ወሲኹ ካብተን ከምዝተደፈራ ሪፖርት ዝገበራ ደቂ-ኣነስትዩ ትግራይ እተን 50 ሚእታዊ ካብ 2-40 ብዝበፅሑ ወተሃደራት ብዘለዎ ጉጅለታት ሰራዊት ዝተደፈራ ብምዃነን ዕምቆት እቲ ወረርቲ ሓይልታት ፆታዊ ዓመፅ ከምመሳርሒ ኲናት ንምጥቃም ዝኸድዎ ርሕቐት ከምዘመላኽት ኣብሪሁ።