ኣብ መደምደምታ ዝበፅሐ ህዝባዊ ኲናት ብወፍርታት ምድንጋር ይኹን ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ከምዘይብዳህ መንግስቲ ትግራይ ሓቢሩ።

ህዝቢ ትግራይ ንዘይተርፍ ዓወት ፀኒዑ ብግንባርን ደጀንን መኸትኡ ክቕፅል ከምዝግባእ ዝሓበረ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ ኣብ መደምደምታ ዝበፅሐ ህዝባዊ ኲናት ብወፍርታት ምድንጋር ይኹን ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ከምዘይብዳህ መንግስቲ ትግራይ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ግልፂ ወራር ንምብርዓን ዓለም ዘገረመ ግብረመልሲ ብምሃብ መብዛሕትኡ ክፋል ትግራይ ሓራ ዘውፀአን ደመኛ ፀላእቱ ኣብ ምቅባፅ ዝርከብን ሰራዊት ትግራይ እናተመዓራረየ ዓቕሙ እናማዕበለ ይቕፅል ከምዘሎ ገሊፁ።

ጉዳይ ትግራይ ኣጀንዳ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኮይኑ ይቕፅል ምህላው ዝሓበረ እቲ መግለፂ ተፈጥሮኣዊን ሰብሰራሕን ፀገማት ዘይዓግቶ ጫፍ ብልሒ ህዝባዊ ቃልሲ ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ማእለያ ዘይብሉ ጋዕ ገልጠም መሳርሒታት ምስዝተዓጠቐ ሽሾ ሰራዊት ፋሽስት ኣብዪ ኣሕመድን ገባቲ ሓይሊ ኣመራርሓ ክልል ኣምሓራን ከምዝደምሰሰ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ትግራይ ክወስዶ ዝፀንሐ ፍሉይ ውቅዒት ኣብ ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዓሚዩቕ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ዓወታት ከምዝተመዝገቡ እቲ መግለፂ ጠቒሱ።

ሰራዊት ትግራይ ኣብቶም ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዝተፈላለዩ ከተማታትን ወተሃደራዊ ረብሓ ዘለዎም ስትራቴጂካዊ ቦታታት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተቖፃፀረ ኣብ ቀፃኢ እውን ዝቆፃፀሮ ህዝባዊ ኲናት ዝሓዞም ዓበይቲ ዕላማታት ኣብ ዳርችኦም ንምብፃሕ ዝዓለመ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ጉጅለ ኣብዪ ኣሕመድን መሻርኽቱን ብምድምሳስ ፖለቲካዊ፣ ወተሃደራዊን ዲፕሎማሲያዊን ዓወታትና ብዝተማለአ ኣገባብ ንምኽንባት እምበር ጎቦታትን ሽንጥሮታትን ዓፋርን ኣምሓራን ናይ ምቁፅፃር ተልእኾ ከምዘይብሉ መንግስቲ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝጥዕሞ ቦታን ግዜን ንፋሽስትን ወረርትን ብምሕምሻሽ ዘኽእሎ ስትራቴጂካዊ ቦታታት ብምምራፅ ሒዝዎ ዝነበረ ቦታታት ብዘይውግእ ብናይ ባዕሉ ተበግሶ ምልቃቑ እውን ሓቢሩ።

ፋሽስታዊ ስርዓት ኣብዪ ኣሕመድን ባንዳታትን ብውግእ ክረክብዎ ዘይኽእሉ ዓወታት ብምሕላም ውግእ ኣብዘይተኻየደሎም ቦታታት ተቖፃፂረ ብምባል ንርካሽ ፖለቲካዊ ሃልኪ የውዕልዎ ምህላዎም መንግስቲ ትግራይ ጠቒሱ።

ሓሶት ፀላእቲ ኣብ መሬት ንዘሎ ሓቂ ፈፂሙ ክቕይሮ ከምዘይኽእል ዝሓበረ መግለፂ መንግስቲ ትግራይ ዝተለመደ ሕሱር ፕሮፓጋንዳኦም መወዳእትኦም እናቐረበ ምዃኑ ኣማላኻቲ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
ዓወት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ቅልፅሙ ጥራሕ ከምዝድረኽ ብምጥቃስ ኣብ ወሳናይ ምዕራፍ በፂሑ ዘሎ ብሓሶትን ምድንጋርን ይኹን ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ክዕገት ከምዘይኽእል ኣረጋጊፁ።

ውሕስና ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝሓፀረ እዋን ብብቕዓት ሰራዊት ትግራይ ስለዝገሃድ ብውሽጥን ደገን ዝርከብ ህዝቢ ኣብ ሓድነቱን ሰሚሩ ዓፀቦን ክባን ንምፍራስ ተዋዲዱ ክቃለስ መንግስቲ ትግራይ ፀዊዑ።