ብነበርቲ ችካጎ ተጋሩ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ዝተሃነፀ ቅድስቲ ማርያም ቤተክርስትያን ተመሪቑ።

ኣብ ቺካጎ ዝነብሩ ተጋሩ ሰዓብቲ እምነት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ናይ ገዛእ ነብሶም ዝዉንንዎ ምስ ኢትዮጲያዉያን ዘይተላገበን ነፃን ዝኾነ ቤተ እምነት ብምዉናን ቅድስቲ ማርያም ቤተክርስትያን ዝተሰየመ ኣመሪቖም።

ኩናት ትግራይ ምስተጀመረ ነበርቲ ቺካጎ ሰዓብቲ እቲ እምነት ኣብቲ ናይ ሓባር ቤተክርስትያን ክፆሙን ክሰግዱን ከምዘይከኣሉ ዝተገለፀ እንትኾን ደሓር ግን ናብ ዉሳነ ብምእታዉ ሐዚ ድማ መፈፀምትኡ በፂሑ እቲ ዝብህግዎ ቤተክርስትያን ንምምራቕ በቒዑ ኣሎ።

ቅድሚ ሐዚ መብዚሕትኡ ትግራዋይ ኣብታ ዘይትዉክሎን ኣብዘይናቱን እናኸደ ሃፍተ ንዋዩ የፍስስ ኔሩ ሐዚ ግን ናብ ዉሽጡ ንኽምልከትን ንዓዱ ጥራይ ከማዕዱን ዓብዩ ዕድል ዝፈጠረ እዩ እዉን ተባሂሉ።

እቲ ንዝሓለፉ ዓመታት ነበርቲ ቺካጎ ሰዓብቲ እምነት ተዋህዶ ኦርቶዶክስ መንነት ; ሃፍቲ ; ጉልበት ዝበዝበዛ እሞ ድማ ኣብ እዋን ፀገምና ክንሳለመሉ ዘይከኣልና ኣብያተ እምነት ኣባኺንናዮ ኢና ዝበሉ እቶም መእመናን እዚ ሽግር ምስ መፀ ግን ብሓደ ድምፂን ሕራነን ካብኣቶም ክንላቐቕ ኣኽኡሉና እዩ ነዚ ድማ ሕጉሳት ኢና ኢሎም።

ካልእ እዚ እዋን ንኹሉ ትግራዋይ በቢዝስዕቦ እምነቱ ብፍላይ ብሰዓብቲ ተዋህዶ ኦርቶዶክስ ድሕሪ ምጉናዩ ; ኣበይ ኔረ ክብል ዝገበሮ ክስተት ምዃኑን ንሓዋሩ ብናይ ባዕሉ ቋንቋ ዝመሃረሉን ዘገልግለሉን መድረኽ ዝተፈጠረሉን ዓብዪ ዕድል እዩ እዉን ተባሂሉ።

እዚ ንዉሉድ ወለዶ ዝተርፍ ዓብዪ ሓድጊ ምዃኑ ዝተዛረቡ እቶም መእመናን ቅድሚ እዚ ቤተክርስትያን ምህናፁ ኣብ ምሽቑራር ከምዝነበሩን ‘ ፈጣሪ ኤርትራን ኢትዮጲያን ይባርኽ’ እናበሉ ኣብ ልዕሊ ስነ ልቦና ተግራዋይ ይፃወቱ ምንባሮምን ነዚ ሓሊፉ ግን ኣብዚ ብርኪ ምብፅሖም ኣዝዮም ከምዝሑጎሱ እዩ ኣብሪሆም።

መራሕቲ ሃይማኖት ኢትዮጲያ ኣብ ጎኒ ቀታሊ መንግስትን ሰራዊቱን ጠጠዉ ብምባል ንልዕላ ሓደ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ዘርኢ ምፅናት እናደገፉ ዝመፁ እንትኾኑ መራሕቲ ሃይማኖት ትግራይ ድማ በኦኦም ከምዘይዉከሉ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት እናፍለጡ መፅዮም እዮም።

ስለዝኾነ እዉን እዚ ቤተክርስትያን ብዙሕ ወፃኢታት ወፅይዎ ንዓብዪ ዕላማ ዝተሃነፀ ብምዃኑ ወለዲ ምስ ደቆም ኩሉ ጊዜ ክመፁን ቋንቋን መንነቶምን ከምህርሉ ከምዝግባእን መልእኽቲ ሃይማኖት ኣቦታት እዩ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ዕላማ ምጥያሽ ቤተክርስትያን ትግራይ ዝነኣድ ኮይኑ ኣብ ዉሽጢ እቲ ቤተ እምነት ግን ናይ ዝኾነ ይኹን ብሄር ዝዉክል ባንዴራ ክቕመጥ የብሉን ክብሉ ዝተሰምዑ ገለ ሰዓብቲ እቲ እምነት ተሰሚዖም።