መንግስቲ ኢትዮጵያ መካይንን ናውትን ሐቡራት ሃገራት ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት የውዕሎ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ኮምቦልቻ ዝርከብ መኽዝን እኽሊ ውድብ ምግቢ ዓለም ብምዝማት ተሽከርከርቲ እቲ ትካል ንወተሃደራዊ መዓላ የውዕለን ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ኣብ ውሽጢ እተን ዝዘመተን መካይን ውድብ ምግቢ ዓለም፡ ድማ ኖቫኮም ናይ መራኸቢ ማዕኸናትን ካልኦት ሶፍትዌራትን ስለዝግጠመለን ብርሕቐት ክቆፃፀርወን ዝኽእሉ እኳ እንተኾነ ከምዘይገበርዎ ተንታኒ ፖሎቲካን ተንታኒ ጂኦፖሎቲካዊ ኩነታትን ፓኪስታናዊ ሳጂድ ናዲም ሓቢሩ።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ እግሩ ኣብ ዝረገፀሎም ከባብታት ክልል ኣምሓራ ትካላት ብምሕላውን ጥንቃቐ ምግባርን እናሰርሐ ዋላ እኳ እንተፀንሐ ስርዓት ኢትዮጵያ ብወገኑ ንሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ኣብ ምስይጣን ተፀሚዱ ከምዝቐነየ ዝፍለጥ እዩ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ንሰራሕተኛተኛታት ሑቡራት ሃገራት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት ንመንግስቲ ትግራይ ትተሓባበሪሩ ኢኹም ብዝብል ካብ ኢትዮጵያ ክባረሩ ከምዝገበረን መጠንቀቅታ ከምዝሃበን ይዝከር።

ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት ብምዝማት፣ ብምዕናውን ንወተሃደራዊ ረብሓ ብምውዓልን ንሃልኪ ፕሮፖጋንዳ ክጥቀመሉ ምፅንሑ ይፍለጥ።