ሓይልታት ትግራይ ንንከተማ ላሊበላ ተቖፃፂሮም።

ሓይልታት ትግራይ ን ታሪካዊት ከተማ ላሊበላ ሙሉእ ንሙሉእ ተቒፃፂሮም።

ሓደ ምስክር ዓይኒ ትማሊ ንማዕኸን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ምስክርነት ሰራዊት ኢትዮጵያ ብቐዳም ምሸት ካብ ላሊበላ ክወጽኡ ከም ዝጀመሩ ሓቢሩ። ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ቀረባ ሰሙናት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ግምባር ብምኻዱ ሓደሓደ ብ ሰራዊት ትግራይ ተታሒዞም ዝነበሩ ዝበሉ ቦታታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ከም ዝመንዝዑ ክገልፁ እኳ እንተፀንሑ ታሪካዊት ከተማ ላሊበላ ግና ዳግም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሰራዊት ትግራይ ኣትያ እያ።

ኣብቲ ዝተገበረ ፀረ መጥቃዕቲ ሓይልታት ትግራይ 11 ስሩዕ ክፍላተ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ 7 ብርጌዳት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሚሊሻን፣ 3 ብርጌዳት ፋኖ ብድምር ልዕሊ 80 ሽሕ ሰራዊት ብምድምሳስ ንከተማ ላሊበላን ነቲ መዕርፎ ነፈርትን ሙሉእ ንሙሉእ ተቖፃፂርዎ እዩ።

ኣብ ትግራይ ከባቢ 6.3 ሚልዮን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ እንትኾን ብዙሓት ድማ ንጥምየትን ሞትን ተቓሊዖም እዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ሓይልታት ትግራይ ካብ ሓደ ሓደ ከተማታት ምውፅኦም ንዝሓሸ መጥቃዕትን ወታደራዊ ዓወትን ምዃኑ ፖለቲካውን ወታደራውን መራሕቲ ትግራይ ገሊፆም ምንባሮም ይዝከር።