ሰራዊት ትግራይ ብዝገበሮ ምትዕርራይ ኣብ ዝመረፆ ግዜን ቦታን ፀላኢ ምድምሳስ ከምዝጀመረ ቢሮ ርክብ መንግስትን ህዝብን ትግራይ ገሊፁ።

እቲ ኣብ ግንባር ጋሸናን ከባቢኡን ዝነበረ ናይ ፀላኢ ሓይሊ ብምክልኻልን መጠነ ሰፊሕ ፀረ መጥቓዕቲ ብምክያድን ኣዝዩ ድሙቕን መስተንክራዊን ዓወት ክምዝገብ ዝኸኣለ ካብቲ ምትዕርራይ ዝተበገሰ ከምዝኾነ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ኣረዲኡ።

ብምዃኑ እውን ካብ ጋሸና ንላሊበላ ዝኸይድ መስመር፣ ካብ ኮን ንጋሸና ዝኸይድ መስመር ከምኡውን ንገነተ ማርያም ቆሪፁ፡ 11 ስሩዕ ክፍላተ ሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ 7 ብርጌዳት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ሚሊሻን፣ 3 ብርጌዳት ፋኖ ብድምር ልዕሊ 80 ሽሕ ሰራዊት ዝተደምሰሰን ዝተበተነን እውን ብምኽንያት እቲ ሰራዊት ትግራይ ዝገበሮ ምትዕርራይ ምዃኑ ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ። ኢሉ።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን፡ ሰራዊት ትግራይ ህዝቢ ትግራይ ዝሃቦ ልኡኽ ንምፍፃምን ውሑስ ህላወ ህዝቢ ትግራይ ንምርግጋፅን ኣብ ዝለዓለ ብራኸን ብቅዓትን ከምዝርከብን ነባርን ሓዱሽን ዓቕሚ ተዋዲዱ ዝስራሕ ዘሎ መስተንክራዊ ቅያ ዝናኣድ ምዃኑ ኣባል ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ተጋዳላይ ሓጎስ ኣለማዮ (ወዲ ሓውዜን) ከም ዝገለፀ ሓቢሩ።