ቱርኪ፣ ሕቡራት ዓረብ ኢሚሬትስን ቻይናን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝገብረኦ ሓገዝ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።

ኣብ ዝተፈላለያ ስቴታት ኣሜሪካ ዝርከቡ ተጋሩን ደገፍቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን ኣንፃር ሃገራት ቱርኪ፣ ሕቡራት ዓረብ ኤሜሬትስን ቻይናን ነቲ ኣፅናቲ ዓሌት ዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝህበኦ ዘለዋ ወታደራዊ ሓገዝ ንምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ፡ እዘን ሃገራት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝፍፅሞ ዘሎ ጨፍጫፍ ዓሌት ዝገብረኦ ዘለዋ ኩለመዳይ ሓገዝ ደዉ ከብለኦ ፃዉዒት ቀሪቡ።

ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ተጋሩን ደገፍቲ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይን እዘን ሃገራት ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝህበኦ ሓገዝ ህዝቢ ንምጭፍጫፍን ዓሌት ንምፅናትን ይጥቀመሉ ስለ ዘሎ ዝገብርኦ ዘለዋ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ደው ንከብላ ድምፆም እናስምዑ ይርከቡ።