ኣትሌት ኣስካለ ታደሰ፡ ናብ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ተፀምቢራ።

ፋሽሽታዉያንን ወረርትን ሓይልታት፣ ትግራይን ተጋሩን ከጥፍኡ መደብ ሒዞም ካብ ዝወፍሩ ጀሚሩ፣ ናብረኦም ኣብ ወፃኢ ገይሮም ዝፀንሑ ተጋሩ ፣ ትግራይ መፅዮም መስርዕ ሰራዊት ትግራይ ክመልኡ ተራእዮም ።

ተጋዳሊት ኣትሌት ኣስካለ ታደሰ ሓንቲ ካብቶም ሙዉቕ ናብራ ራሕሪሖም ኣብ ቃልሲ ተፀምቢሮም ዝርከቡ ጀጋኑ ከምዝኾነት ድምፂ ወያነ ትግራይ ፀብፂቡ።

ኣብ ጣልያን ከተማ ሚላን ኣባል ኣልፋ ዝበሃል ጋንታ’ዉን ከምዝነበረት ትገልፅ።” 5 ሽሕ ሜትሮ ብጣዕሚ ዝፈትዎ ጉያ እዩ” ትብል። ኣብ 1500 ሜትሮ ትሳተፍ ምንባራ ብምሕባር።

ኣብ ካናዳ፣ጀርመን፣ቤልጄየም፣ፈረንሳይን ቤሩትን ተወዳዲራ።

ኣብ ቤልጄየም ተደጋጋሚ ከምዝተወዳደረት እያ ትገልፅ – ተጋዳሊት ኣትሌት ኣስካለ ታደሰ።

ኣብ ቤልጅየምን ዋሺንግተን ዲሲን ሽልማት መዳልያ ተዓዊታ እያ።

ካብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብዝበፅሓ ዝነበረ ዕንቅፋትን ምግላልን ተገዲዳ፣ ዜግነታ ብምልዋጥ ንሃገረ ጣልያን ክትጎይ ከምዝጀመረት እያ ገሊፃ።

ን5ዓመታት ኣብ ጣልያን ድሕሪ ምፅናሕ፣ ኣብ ልዕሊ ትግራይን ተጋሩን ብ ፋሽሽታዉያንን ወረርትን ንዝተኣወጀ ወራር ንምምካት ጥዑም ናብራ ሓዲጋ እያ መፅያ።

ኣብ ትግራይ “ኣየር ደብዲባ ክሰምዕ ከለኩ ይሓርቅ ነይረ።

ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብዓወት ክሳብ ዝዛዘም ክቃለስ እየ ” ዝበለት ተጋዳሊት ኣትሌት ኣስካለ ታደሰ “ድሕሪ ዓወት ንትግራይ ክጎይ እየ”ብምባል ፣ዓወት ትግራይ ግድን ሙካኑ ገሊፃ።