ኣብ ትግራይ ኣብ ብዙሓት ቦታታት ጅምላዊ ጨፍጫፋት ተኻይዱ

ትካላት ሲቪል ማሕበራት ትግራይን ማሕበረስብ ዩኒቨርሲቲ መቐለን፣ ስቃይ ትግራይ ማሕበረሰብ ዓለም ቆላሕታ ሂቡ መፍትሒ ንከቐምጥ ዝፅዉዕ መድረኽ ኣሳሊጦም።

ብተወሳኺ እዉን ብሓባር ኣብ ዘዉፅእዎ መግለፂ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ኣብ ዝኸፈትዎ ኲናት፡ 260 ጅምላዊ ጨፍጫፋት ከምዝፈፀሙ ተገሊፁ።

ቅድሚ ሐዚ ኣብ ተምቤን ካብቲ ጨፍጫፍ ዝተረፉ መሰኻኽር ን ዘ ቴሌ ግራፍ ከም ዝሓበርዎ ኣብ ዓብይ ዓዲ ከባብታት ዓዲ ኣስሚዐን፣ በጋ ሸኻ፣ ዓዲ ጨሎ፣ ኣምበርስዋ፣ወትላቆ፣ ስምረት፣ ጉያ፣ ዘላቕመ፣ ዓረና፣ ምፃ ወርቂ ፣ የቕየርን ሽሉም እምኒን ዝነብሩ ሓረስቶትን ዘይዕጡቓት መናእሰይን ግዳያት እቲ ጭፍጫፍ ከም ዝኾኑን ናይ ኩላቶም ሬሳ ድማ ንመዓልትታት ከይተረኸበ ከም ዝፀንሐን ይሕብሩ። እቶም ብ ህይወት ዝተረፉ መሰኻኽር ከም ዝሕብርዎ እቲ ጨፍጫፍ ኣብ ልዕሊ ዘይተዓጠቑ መናእሰይ፣ ሓረስቶትን ሰብ ፀጋ ዕድመን ከም ዝተፈፀመ እዩ።

ቢቢሲ ኣይ ብዘዓባ ጨፍጫፍ ንፁሃት ኣብ ዘቃልሖ ዜና ድማ ወታደራት ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ማሕበረ ዴጎ ሲቪላት መናእሰይ እናቐተሉ ናብ ገደል እንትድርብይዎም ዘርኢ ቪድዮ ኣበይን ብመንን ክምዝተፈጸመ ኣረጋጊፀ እዬ ኢሉ ምንባሩ ይዝከር። ቢቢሲ ኣይ እቶም ወታደራት ናይ ኢትዮጵያ ምዃኖምን ብቋንቋ ኣምሓርኛ ይዛረቡ ምንባሮምን እውን ገሊፁ እዩ።

እቲ ኲናት ምስተጀመረ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ድማ ኣብ ኣክሱም ዝተገበረ ጨፍጫፍ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝበሃል ዓለም ለኻዊ ትካል ኣቃሊሕዎ እዩ። ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተጋሩ ኣብ ሓደ መዓልቲ ተጫፍጪፎምን ናይ ሰንበት ተምሃሮ ህፃውንቲ ቆልዑ እንተይቀረዩ ድማ ተቐቲሎምን እዮም።
ኣክሱም ካብቶም ብዙሓት ጫፍጫፍ ዝተኻየደሎም ከተማታት ሓንቲ እያ።

ካብቶም ጨፍጫፍን ምፅናት ዓሌትን ዝፍፀመሎም ዘሊ ከባብታት ትግራይ ድማ ክሳብ ሐዚ እውን ሓራ ዘይውርፀ ከባቢ ምዕራብ እዩ። ብ ኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀር ህዝቢ ምዕራብ ቤቱን ንብረቱን ተወሪሩ፣ ተቓፂሉን ዓንዩንናብ ስደት ኣምሪሑ እዩ። እቲ ኣብኡ ዝነበረ ህዝቢ ድማ ብ ሓይልታት ኣምሓራን ወታደራት ኢትዮጵያን መስካሕክሒ ጨፍጫፍ እናተፈፀሞ ይርከብ።

ሓይልታት ኣምሓራን ወታደራት ኢትዮጵያን ንህዝቢ ምዕራብ ናብ መዳጎኒ ማእኸላት ብምእታው ብዘይ ማይ፣ ምግብን ሽቓቕን ድሕሪ ምስቓይ ብዙሓት መናእሰይ እናረሸኑ ማብ ሩባ ተከዘ ብምድርባይ ምፅናት ዓሌት እናፈፀሙ ይርከቡ።

ኣብቲ ሲቪል ማሕበራት ትግራይን ማሕበረሰብ ዩንቨርሲቲ መቐለን ዘውፅእዎ መግለፂ ድማ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ኬንያ፣ሱዳን፣ንዝርከቡ ተጋሩ እናሃደኑ የጋፍዕዋምን ይኣስርዎምን ከምዘለዉ ብምግላፅ ፣ዝፍፀም ዘሎ ተግባር ምፅናት ህዝቢ ደዉ ክብል ፀዊዖም።