ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናቆልቆለ ይኸይድ ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ገሊፁ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቁልውላው ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናገደደደ ይኸይድ ከምዘሎ ዝፍልጠ ውድብ ሕብራት ሃገራት ነቲ ቁልውላው ንምፍታሕ ዘክእል ሓገዝ ብእዋኑ ክኣትው ይግበር ከምዘየሎ ድማ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ማዓልታት ጥራሕ 20 ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ጥራሕ ከምዝኣተያ ዝፍለጠ እቲ ትካል ንሎሚን ጽባሕን እውን ተወሳኪ 40 መካይን ብኣብዓላ ጌረን ናብ ትግራይ ከምዝኣትዋ ገሊጹ።

እተኾነ እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝገጥምዎ ዘለው ዓንቀፍቀፋት ናብ ብዝድለ መጠንን ግዜን ናብ ትግራይ ምእታው ከምዝይተከኣለ ዘፍለጠ ውድብ ሕብራት ሃገራት እቲ ዘእትዮ ዘሎ ሓገዝን ናይ ህጻውንቲ ክታበትን ናብ ዝትፈላለዩ ከባቢታት ንምብታን ናይ ነዳዲ ጸገም የጋጥሞ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ናብ ትግራይ ብማዓልቲ ከኣትው ዝግብኦ 100 ጽዕነት መኪና ሰብኣዊ ሓገዝ ዋላ እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ሲዒቡ ካብቲ ዝድለ ኣዝዩ ትሑት ቁጽሪ ዘለዎ ሓገዝ ሓሓሊፉ ክኣትው ጥራሕ እዩ ኪኢሉ። ከም መድሓኒት፣ ነዳዲን ቅርሺን ድማ መንግስቲ ኢትዮጲያ ናብ ትግራይ ፈጺሞም ክሓልፉ ዘይብሎም ነገራት ኢሉ ሙሉእ ንሙሉእ ዝከልከሎም እዮም።

ኣብ ትግራይ ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 6 ሚልዮን ህዝቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘድልዮ ከምዝኮነ ውድብ ሕብራት መንግስታት ዝሓበረ እንትኸውን ካብዚ እቲ ሓደ ሚልዮን ኣብ ጥምየት ተሳጢሑ ከምዝርኸብ ይዝኸር።