ኣብ ለንደን ብምኽንያት “በዓል ልደት ምዕራባዉያን” መድረኽ እቶት መተኣኻኸቢ ተሳሊጡ።

ብነበርቲ ማሕበር ደቂ ኣነስትዮ ተጋሩ ለንደን ነቲ ምዕራብ ዓለም ብሃንቀዉታ ዝፀባበዮ ዘሎ በዓል Christmas ( ልደት ) ምኽንያት ብምግባር መድረኽ እቶት መተኢኻኸቢ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መድረኽ ብርክት ዝበሉ ተሳተፍትን ዕዱማት ኣጋይሽን ዝተረኸቡ እንትኾኑ ብምኽንያት እዚ በዓል ኣብኡ ንዝቐረቡ ናዉትታት ብምጥቃም ነታ ብፀላእቲ ዝዓነወት ትግራይን ነተን ዝተዓመፃ ደቂ ኣነስትዮን ሓገዝ ዝዉዕል እቶት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እተን መዳለዉቲ ዝተፈላለዩ ባህላዊ ኣልባሳትን ብመለለዪ ትግራይ ዝኾነ ባንዴራ ዝተመላኽዑ ጨርቃጨርቅን ንጨረታ ብምቕራብ እቲ እቶት ክተኣኻኸብ ከምዝገበራ ኣረዲኤን።

ከምዚኦም ዓይነታት መደባት ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉን ትግራይ ብተጋሩ ንምህናፅ ኣብ ኩሉን ኩርናዓት ዓለም ተበቲኑ ዝርከብ ትግራዋይ ኢደይ ኢድካ ዝብለሉ ጊዜ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ፀላእቲ እግሮም ናብ መሬት ትግራይ ኣትያ ክሳብ ትወፅእ ደጊም እዚ ብሄር እዚ ኣጥፊእናዮ ኢና ዕንቅፋት ኣይኾነናን ብዝበሉ ቁፅሪ ትግራዋይ ድማ የመና እናሓረነን እናተርነዐን ኣንፃር እዞም ፀላእቲ ይኳሻሕ ኣሎ።

ዲያስፓራ ትግራይ ገበን ደመኛታት ህዝቢ ትግራይ ንማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ምቅላዕ ኣንበሳዊ ብፅሒት ወሲዶም እዮም።

ሐዚ እዉን እንተኾነ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ዘለዉ ተወለድቲ ብሄር ትግራይ ዝኾኑ ዲያስፖራ ተጋሩ ገበነኛታት ናብ ዓለም ለኸ ፍርዲ ክቐርቡን ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ኣብ ኩናት ትግራይ ጠጠዉ ምባል ኢዱ ብምእታዉ ካብ ተሓታትነት ነፃ ክኸዉንን ክብሉ ኣብ ዘካየድዎ ሰለማዊ ሰልፊ እናቃልዑ እዮም።

ብተመሳሳሊ ኣብዚ ቅነ ዲያስፖራ ትግራይ ከምቲ ልሙድ ንመንግስቲ ኢትዮጲዪ ናይ ልብ ልቡ ክስምዖ ብናዉቲ ; ብዲፕሎማሲን ገንዘባዉን ደገፍ ዝገብራ ዘለዋ ፍሉጣት ዓዲ ሐዚ እዉን እንተኾነ ካብ ተሒታትነት ከምዘየምልጣ ብምግንዛብ ኣብ ፀሊም ማህደር ኣብ ዝሰፍር ታሪከን ክቕንሳ ዝፅዉዕ ሰልፊ እናጋዉሑ ቀንዮም እዮም።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ደገ ዝርከብ ትግራዋይ እዉን በቢዉዳበኡ ነቲ ናተይ ዝብሎ ህዝብን ዓዲን ኣብ ምሕዋይ ንዋታዉን ገንዘባዉን ኢሉ እዉን ሞራላዉን ደገፍ ኣብ ምሃብ ዕዙዝ እጃም የወፊ ኣሎ።