ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሞም ገበናት ኲናት ክቃለስ ካብ ኣሜሪካ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክፅምበር ከምዝደፋፈኦ ተጋዳላይ ሰዓረ ገሊፁ።

ኣብ ኣሜሪካ ኾይነ ብዝተዓዘብክዎ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ዝወርድ ዝነበረ ግፍዒ ኣለዓዒሉኒ እየ ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ተፀምቢረ ክብል ን ድምፂ ወያነ ዝተዛረበ ተጋዳላይ ኣሸናፊ ( ሰዓረ ) ወዛም እዩ።

ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሕቑፎ ኣዲአን ዘይወረዳ ህፃናት ጀሚሩ ብዘይንሕስያ ክሳብ ኣረጉቶት ኣዴታት እንትደፍሩ በቲ ዝቃላሕ ዝነበረ ዜና እናረኣኹ ይጉሂ ኔረ ዝበለ ተጋዳላይ ሰዓረ እዚ በቢእዋኑ “ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ እናተፈፀመ ዝመፀ ግፍዒ ክቃለስ ደፋፊኡኒ”ኢሉ።

ናብዚ ቃልሲ ብምፅምባሩ ኣዝዩ ሕጉስ ምዃኑ ዝገለፀ ተጋዳላይ ሰዓረ ብስርሒት ሰራዊት ትግራይ ኣዝዩ ከምዝሕበንን ናይቲ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ኣካል ምዃኑ ባህታ ከምዝፈጠረሉን እዩ ተዛሪቡ።

እቲ “ሰዓረ”‘ ዝበል ሳጓ ዝተዉሃበሉ ምኽንያት እንትዛረብ ድማ ሓደ እዋን ምስ ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ ተራኺቡ ብኸመይን ካበይን ናብቲ ቃልሲ ከምዝተፀምበረ ድሕሪ ምዝራቡ እቲ ዋና መፀዉዒኡ ዝኾነ ኣሸናፊ ዝብል ስም ሓዲጉ ካብ ብሐዚ ‘ ሰዓረ ‘ ኢኻ ትበሃል ኢሉኒ ደሓር ብሰዓረ ይፅዋዕ ይብል።

ትግራይ ከምቲ ፀላእቲ ዝብህግዋ ዘይኮነትስ ብቃልሲ ደቃ ምዕብልቲን ምርፅትን ንክትኸዉን ክንሰርሕ ኢና ድሕሪ ብምባል ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሕዎ ዘለዉ ግፍዕታት ብቃልስና ንሓንሳብን ንሓዋሩን ክዉገድ እዪ ክብል ተጋዳላይ ሰዓረ ኣረጋጊፁ።

ናይዚ ዘመን ወለዶ ሕድሪ እቶም ቀዳሞት ከይዕበረ ንትግራይ ዝደፈረ እግሩ እግሩ እናሰዓቡ የሳድድዎ ብምህላዎም ማህፀን ትግራይ በቢእዋኑ ጀጋኑ ተፍሪ ምዃና ዝተመስከረሉ እዋን እዩ።

ኣብዚ ናይ ሐዚ ቃልሲ ምዕራፍ እዉን ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዘሎ ትግራዋይ ተዊዲዱን ተናቢቢቡን ኣብ ምሕዋይ ትግራይ ይረባረብ ምህሃዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ካብ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተበጊሶም ናብ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝተፀምበሩ ኣብነታት ሰዓረ ዝኾኑ ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ከምዝርከቡ እዉን ተሓቢሩ።