ኣብ ሓቀኛ ታሪኽ ተጋዳላይ ክንደያ ዝተሰርሐት ፊልሚ “ኣፍላም”‘ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ንምርኢት በቒዓ።

ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘሕለፎም ተጋድሎ ሓደ ዝኾነ ኣብ ኣንፃር ስርዓት ደርጊ ካብ ዝተኻየደ ቃልሲ ሓደ ታሪኽ ተመዚዙ ካብ ዝተሰነደን ንምርኢት ካብ ዝበቐዐን ፊልሚ ኣፍላም ሓደ እዩ።

ፊልሚ ኣፍላም ኣብ ሓቀኛ ታሪኽ ተጋዳላይ ክንደያ መሰረት ገይራ ዝተሰረሐት እንትትኮን ግን ድማ ንመብዛሕቱ ፅንዓትን ጅግንነትን ተጋዳላይ ትግራይ ትዉክል ፊልሚ ከምዝኾነት ይግለፅ።

እዛ ፊልሚ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት መሉእ ስራሕታ ዛዚማ ኣብ ከተማ መቐለ ሓዊሱ ክሳብ ኣናእሽተይ ከተማታት ትግራይ ንምርኢት ቀሪባ ዝነበረት ፊልሚ ምዃናን ኣብ ሞንጉኡ ግን ብሓደ ወገን ብምኽንያት ተላባዲ ሕማም ኮረና ቀፂሉ ድማ በቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኩናት ትግራይ ናብ ተመልከቲ ከይተወዘዐት ከምዝፀነሐት ዝፍለጥ እዩ።

ኣብዛ ፊልሚ ዓበይቲ ከየንትን ስነ ጥበባዉያንን ተጋሩ ዝተሳተፉላ ፊልሚ እንትትኮን ኣብቲ ቅድም ዝተኻየደ ተጋድሎ ተጋሩ ተጋደልቲ እቲ እዋን ማዕረ ክንደይ ተፃወርትን ሰጋራትን ምንባሮም ድማ ተዘንቱ።

ተጋዳላይ ክንደያ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኢድ ፀላኢ ብምእታዉ ፀላእቲ ድማ ሐዚ ኢና ዝተዒወትና ክብሉ ሓበሬታ ወታደራዊ ስርሒት ክመዙ ተሃንዲዶም እንትመፁ ተጋዳላይ ክንደያ ግን ካብ ንፀላእቲ ቃለይ ዝህብን ሚስጥር ዓደይ ዘዉፅእን ሞት ይመርፅ ብምባል መልሓሱ ብስባር ጥርሐዝ ዝቖረፀ በዓል ወርቃዊ ታሪኽ ትግራዋይ እዩ።

ፊልሚ ኣፍላም እንትስራሕ እዉን ታሪኽ ተጋዳላይ ክንደያ መርኣያ ቡዙሓት ተጋደልቲ ተግራይ ብምዃኑን እቲ ዝወዓሎ ፍፃመን ዘርአዮ ተኣማንነትን ንቀፃሊ ወለዶ ተሰኒዱ መምሃሪ ንኽኾን ብምሕሳብ ዝተደረሰት ፊልሚ እያ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣሜሪካ ግዝኣት ዋሽንግተን ዲሲ ንምርኢት ዝቐረበት ፊልሚ ኣፍላም ንቡዙሓት ተዓደምቲ ጋያሹን ሰብ ዋናታት እቲ ታሪኽን ዝኾኑ ተጋሩ ባህታ ዝፈጠረትን ታሪኽ ፅንዓት ቀዳሞት ወለዶም ዘስነቐትን ብምዃና ንመዋሊ ፊልሚ ኣፍላም ኣቤል ብርሃነ ሓዊሱ ንመላእ ኣባላት እታ ፊልሚ ናእዶኦም ኣቕሪቦም።

ብተወሳኺ መሰል ስራሕቲ ክበራኸቱን ናይቶም ቀዳሞት ጀጋኑ ተጋሩ ሓዊሱ ገና ዘይወፁ ታሪኻት ከምዘለዉ ብምሕባር ናይዚ ሐዚ ሒዝናዮ ዘለና ምዕራፍ እዉን ብምክታት ኣረሜኒያዊ ተግባር ፀላእቲን ጅግንነት ተጋሩን ብምቅላዕ ሰነ ጥበብ ትግራይ ክበራበርን ዓብዪ እጃም ከወፍን ናይቶም ዕዱማት ኣጋይሽ መልእኽቲ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ታሪኽ ተጋሩን መለለይታቶምን ንምምንጣልን ሰብ ኣልቦ ታሪኽ ንምግባርን ክሳብ ሐዚ ቡዙሕ እናሰርሑ ዝመፁ ብምዃኖም ታሪኽን ጀግንነትን ህዝቢ ትግራይ ተሰኒዱን ተቐሪፁን እንትፀኒሑ ግን ፀላእቲ ናትና ዝብልዎን ዝዉንንዎን ታሪኽ ከምዘይብሎም ምስክር ዘድልዮ ከምዘይኮነ እዩ ኣብቲ ቦታ ተሓቢሩ።

ፊልሚ ኣፍላም ብኤፍሬም ታደሰ ተደሪሳ ብኣታኽልቲ ነጋ ተኣልያ ብኣቤል ብርሃነ ድማ ዝተመወለት ፊልሚ እንትትኮን ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ብምዟር ንምርኢት ከምእትበቅዕ መዋሊኣ ኣቤል ብርሃነ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዘስመዖ መደረኡ ገሊፁ።