መንግስቲ ትግራይ ንሰለማዊ ዘተ ዘለዎ ቅርቡነት ዘረጋግፅ ካብ ትግራይ ወፃኢ ንዘለዉ ኩሎም ወታደራቱ ንኽወፁ ከምዝኣዘዘ ገሊፁ።

መንግስቲ ትግራይ ካብ መሬት ትግራይ ወፃኢ ማለት እዉን ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ዝነበሩ ሰራዊት ትግራይ ካብቲ ቦታ ንኽለቁ ከምዝኣዘዘ ንዋና ፀሓፊ ትካል ሑቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉቴሬዝ ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ ኣፍሊጡ።

እዚ ዝተገበረሉ ዋና ዕላማ ድማ እቲ ብመንግስቲ ትግራይ ቅድሚ እቲ ኹናት ምጥንሳሱ ኣትሒዙ ክሳብ እዚ ሐዚ እዋን ዘቕርቦ ዝነበረ ፃዉዒት ሰላምን ንዝቐረበሉ ሕቶን ዘለዎ ቅርቡነትን በሪ ዘተ ክፍቲ ንምግባር ከምዝኾነ ደብዳበ መንግስቲ ትግራይ ይሕብር።

እቲ ደብዳበ መንግስቲ ትግራይ ኣብ ትሕዝትኡ ከምዘቐመጦ ናይ ኢትዮ ኤርትራ ሙሉእ ሰራዊት ; ምሊሻታትን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ናይወፃኢ ሃገራት ድሮን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ዘመናዊ መሳርሕታትን ብዘይ ዝኾነ ናይ ወፃኢ ሓይልን ንዋትን በይኑ ከምዝተቓለሶ ጠቒሱ።

እቲ ንልዕላ ሓደ ዓመት ዝፀነሐ ኩናት ከም መንግስቲ ትግራይ ናይ ዝኾነ ኣካል ምንም ዓይነት ደገፍ ከይረኸበ ምስ ህዝቡ ኾይኑ ክምክቶ ምፅንሑ ዝጠቐሰ ደብዳበ መንግስቲ ትግራይ ካብ ናይ ባዕልና ወፃኢ ናይ ማንም ጉዳይ ኣየፈፀመምናን ናይ ማንም ዕዳ እዉን የብልናን ክብል እቲ ደብዳቤ ኣረጋጊፁ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ህዝቢ ትግራይ ንልዕሊ ሓደ ዓመት እንትጭፍጨፍ ማሕበረሰብ ዓለም ሱቕታ ብምምራፁ ሓላፍነቱ ኣይተዋፀአን ዝበለ ደብዳበ መንግስቲ ትግራይ ብዝሐዚ ግን ተግባራዊ ስጉምቲ ብምዉሳድ ክተሓባበር ከምዝግባእ እቲ ደብዳበ ሓቲቱ።

እዚ ማለት ሰራዊት ኢትዮጲያን ኤርትራን ከምቲ ልክዕ መንግስቲ ትግራይ ዝወሰኖ ንሳቶም እዉን ሰራዊቶም ካብ መሬት ትግራይ ንኽወፁ ፅዕንቶ ክገብርን ካብ መሳርሒ ኩናት ዘመላልሳ ነፃ በረራ ኣየር ሰለማዉያን ዜጋታትን ክህሉ ኣብ ምግባር ክሳተፍን መንግስቲ ትግራይ ፀዊዑ።

ብተወሳኺ ትግራይን ተጋሩን ካብ ገፀ መሬት ንምጥፋእ ዓሊመን ዘመናዊ መሳርሒ ንዝሽምታ ዘለዋ ሃገራት ኢትዮጲያን ኤርትራን እገዳ ክግበር ክብል እቲ ደብዳቤ መንግስቲ ትግራይ ፀዊዑ።

ይኹን እምበር ምንም እኳ መንግስቲ ትግራይ ሕጊ ዓለምን ዘተ ሰላምን ተቐቢሉ ዉሳነኡ እንተፍለጠ መንግስቲ ኢትዮጲያ ግን ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ዘለዎ ሓይሊ ምድርን ሰማይን ተጠቒሙ ዜጋታት ኣብ ምጭፍጫፍ ተፀሚዱ ይርከብ።