ኣብ ከተማ ኣላማጣ ዝተገበረ ጨፍጫፍ ንፁሃት ተጋሩ ከምዘሕዘኖም ዉድባት ሳልሳይ ወያነን ዉድብ ነፃነት ትግራይን ገሊፆም።

ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ከተማ ኣላማጣ ንተኸታታሊ ክልተ መዓልታት ብትእዛዝ መንግስቲ ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ወገናት ዝተገበረ ደብዳብ ነፈርትን ድሮንን ብስም ዉድቦም ከምዝሐዘኖም ንድምፂ ወያነ ዝገለፁ ኣባል ዉድብ ነፃነት ትግራይ ኣይተ ደጀን መዝገቦን ኣባል ዉድብ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ድማ ኣይተ ክንፈ ሓዱሽን እዮም።

እቶም ወኪላት ክልቲአን ዉድባት መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ወገናት እሞ ድማ ኣብ ዕዳጋ መዓልቲ እናተፀበኻ ኣብ ማእኸል ዕዳጋ ዝፀነሐ እኩብ ህዝቢ ደብዳብ ነፈርትን ድሮንን ምክያድ ዋና መለለዪ ወልቀ መላኺ ኣብዪ ኣሕመድ ምዃኑ ኣረጋጊፆም።

መንግስቲ ኢትዮጲያ እዚ ተግባር ንልዕሊ ሓደ ዓመት እናፈፀሞ ዝመፀ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ወኪላት ክልቲአን ዉድባት እዚ ድማ ህዝቢ ከም ህዝቢ ክጠፍእ ብምሕሳብ እዩ ክብሉ ሓቢሮም።

ኢትዮጲያ ትበሃል ዓዲ መፈፀሚት ገበን ጆኖሳይድ እያ ዝበለ ኣባል ዉድብ ናፃነት ትግራይ ኣይተ ደጀን እቲ እንኮ መማረፂ ተቓሊስካ ነፃነትካ ምርግጋፅ እዪ ክብል ተዛሪቡ።

ኣባል ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ኣይተ ክንፈ ብወገኑ መንግስታ ኢትዮጲያ ፅልኡ ምስ ህዝቢ እዩ ድሕሪ ምባል እዚ ኩናት እዚ መሰረታዊ ረብሓታት ህዝቢ ትግራይ ዘግህድ ኮይኑ ክዛዘም ይግባእ ኢሉ።

ነዚ ድማ እቲ ህዝቢ ዝብህጎ ዘሎ ሃገር ናይ ምዉናንን ነፃነት ምርግጋፅን ንኽሰምር ኩሉ ብሓባር ናብ ቃልሲ ብምኽታት ኣንፃር እዞም ፀላእታ ጠጠዉ ክብል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ካብ ካልኦት ናይ ጥፍኣት መሓዙቱ ብዝለመነን ዘመናዊ መሳርሒ ነፈርቲ ኩናት ኣቢሉ ካብ ዓዉደ ዉግእ ነፃ ኣብ ዝኾኑ ከባቢታት እናፈለየ ደብዳብ ነፈርቲ ምፍፃም ኣጠናኺሩ ቀፂሉሉ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብ ዕዳጋ መዓልትን ኣብ እኩብ ሰብ ዝበዝሖ ከባቢታትን ደብዳብ ነፈርቲ እንትፍፅም ናይ መጀመርትኡ ከምዘይኮነን ሓደ ኣብነት ድማ ከተማ ቶጎጋ ምዃናን መሰል ተግባራት መለለዪ ፋሽሽታዉያን ከምዝኾነን ኣብዪ ኣሕመድ እዉን ኣሰር እቶም ኣሃዳዉያን ኣያታቱ ይስዕብ ንምህላዉ ቡዙሓት ይገልፁ።