ኣሜሪካ፡ ንምውፃእ ሰራዊት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን “ንሰፊሕ ዲፕሎማሲ ማዕጾ ዘርሑ`ዩ ኢላ።

ኣሜሪካ፡ ቅልውላው ኲናት ኢትዮጵያ ከብቅዕ ዘተ ክጅመር ፀዊዓ።

ኣሜሪካ፡ ንሰላምን ፀጥታን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እንዳዘረገ ዝርከብ ቅልውላው ኲናት ኢትዮጵያ፡ ብዘተ ክፍታሕ ድልየት ከምዘለዋ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሑቡራት ሃገራት ሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ሓቢራ።

ብምዃኑ እውን ኣሜሪካ ነዚ ብዘተ ንኽፍታሕ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕርታትን ድጋፋትን ከምእትቕፅለሉ ኣረዲኣ።

ከምኡ እውን ተዋጋእቲ ሓይልታት ኲናት ደው ንኸብሉ ብሕታውን ኣማራፅን ዘይብሉ ጉዳይ ስለዝኾነ ብህፁፅ ሃገራዊ ዘተ ክጅመር ግርንፊልድ ፀዊዓ።

እንተኾነ ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ህዝበ ውሳነን ምግንፃልን ዝኸይድ ሃገራዊ ዘተ ድልው እየ ብዝብል ብሚድያታቱ ክውዝዖ ዋላ እኳ እንተፈተነ ብተግባር ግን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዳግማይ ወራር ንምክያድ ኲሉ ዓይነት ደብዳብን ኲናትን ከፊቱ ይርከብ።

መንግስቲ ትግራይ ብወገኑ ንዘተ ሰላም ክበሃል ካብ መሬት ኣምሓራን ዓፋርን ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝሰሓበ ንሑቡራት ሃገራት ብደብዳበ ከምዘፍለጠ ዝዝከር እዩ።

ኣመሪካ ድማ ንምስሓብ ሰራዊት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን “ንሰፊሕ ዲፕሎማሲ ማዕጾ ዘርሑ`ዩ” ብምባል ብሓጎስ ከምእትቕበሎ ምግላፃ ዝፍለጥ እዩ።