ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ካብ ኩሉ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ምውፅኡ ፕረዚዳንት መንግስቲ ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ገሊፁ።

ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ካብቲ ን ኣዋርሕ ተቖፃፂሮምዎ ዝነበሩ ከባብታት ኣምሓራን ዓፋርን ከምዝወፁ ተገሊፁ።

እቲ ውሳነ ንሰላማዊ ፍታሕ መገዲ ንምፅራግ ዝተወስደ ምዃኑን ፀቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ስዒቡ ዝተገብረ ምዃኑን መንግስቲ ትግራይ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ዝሓበረ እንትኾን ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣብዪ ስጉምቲ ንከይወስድ ዝገብር ምኽንያት የለን። ክብል ወሃቢ ቃል ኮማንድ ፖስት ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ናይ ትዊተር ገፁ ገሊፁ።

ብምኽንያት እቲ ዝቕፅል ዘሎ ኲናት ህይወት ብዙሓት ሰባት ኣጥፊኡን ቁጠባ እታ ዓዲ ንቑልቁል ንክወርድ ዝገበረን እንትኾን ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ኲናት ደው ናይ ምባል ኮነ ናብ ናይ ሰላም ዘተ ንምምፃእ ዝተርኣዬ ድልውነት የለን።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ወታደራዊ ምንቅስቓስ ኮነ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዘይብሎም ቦታታት ሰላማውያን ሰባት ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ድሮንን ነፈርትን ከካይድ ፀኒሑን እናካዬደን ይርከብ።

11 ታሕሳስ/2014ዓ/ም ሰዓት10:00 ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ መንበረ ቅዱሳን ቁሸት ምላዛት ኣብ ማእከል ዕዳጋ ኣብ ዝነበረት ታክሲ ብዝበፅሐ ናይ ድሮን ደብዳብ 23 ሰላማውያን ሰባት እንትሞቱ ልዕሊ8 ድማ ከቢድ መጉዳእቲ በፂሕዊም እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወረዳ እንደርታ ክሳብ ሐዚ ኣብ ዝተፈላለዩ ጣቢያታት ማለት እውን ጣቢያ መሰቦ፣ ዓራቶ፣ መንበረቅዱሳን፣ማህበረ ገነት፣ደብረናዝሬት፣ ደብረ ቅብኢን ካልኦትን ንልዕሊ 12 ጊዜ ደብዳብ ኣካይዱ እዩ። ክሳብ ሐዚ ድማ ብድምር 94 ንፁሃን እንትሞቱ ልዕሊ 297 ድማ ከቢድ ጉድኣት ኣካል ከም ዝበፀሖም ተገሊፁ።

ብወገን ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ድማ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝተገበረ ግስጋሰ ዕላምኡ ዝነፀረን ሲቪላት ዒላማ ዘይገበረን ኮይኑ ክሳብ ሐዚ ኣብ እቲ ሰራዊት ኣብ ዝተቖፃፀረን ከተማታት ሰላማውያን ሰባት ከይጎድአን እቲ ህዝቢ ዘድልዮ ሓገዝ እናተሓባበረን ፀኒሑ እዩ።

እቲ ሰራዊት ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝገብሮ ዝነበረ ግስጋስ ብምቁራፅ ናብ ዶባት ትግራይ እንትምለስ ብዘይ ዝኾነ ኲናት ምውፅኡን ካብ መንግስቲ ትግራይ ብዝቐረበሉ ፃውዒት ምዃኑን ዝተገለፀ ኮይኑ እዚ ድማ መንግስቲን ህዝብን ትግራይ ኩሉ ሻብ ንሰላም ቅሩብ ምዃኑ ዘረጋግፅ እዩ ተባሂሉ።

ብፕሬዝደንት ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ተፈሪሙ ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ናብ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተልኣኸ ድብዳበ ድማ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ነቲ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ኣብ ምምፃእ እጃሙ ክዋፃእ ዝፅውዕ እዩ።

እቲ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥሜት ንምንጋፍ፡ ሰብኣዊ ረዲኤት ብቕልጡፍን ብዘይገደብን ዝኣትወሉ ውሑስ ናይ ኣየርን ምድርን መስመራት ንክኽፈቱ’ውን መንግስቲ ትግራይ ኣብ መግለፂኡ ፀዊዑ እዩ።

“ብመሰረት ፈደራላዊ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝግብኣና መሰላት ክነኽበር እምበር ንባዕልና መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ምግባር ድሌት የብልናን” ዝበለ መንግስቲ ትግራይ ንኹሉ ዘሳትፍ ፖለቲካዊ ልዝብ ክካየድ ፀዊዑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝወልዖ ኲናት ምኽንያት ብ ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰለማውያን ተጋሩ ክቕትሉ ከለዉ፡ ሚልዮናት ተፈናቒሎም፡ ከባቢ 6.3 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተፀበዪ ረዲኤት ክኸውን ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

መንግስቲ ትግራይ ቅድመ ኩነት ብምቕማጥ ብተደጋጋሚ ን ሰላም ቅሩብ ምዃኑ ክገልፅ እንተፀንሐ’ኳ ብ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ግና ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተዂሲ ኮነ ደብዳብ ነፈርቲ ደው ኣየበለን።