ምፅናት ዘርኢ ትግራይ፡ ደው ንምባል ኩሉ ዓይነት ስጉምቲ ክውሰድ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

ኣብ ልዕሊ ብሄረ ተጋሩ ዝካየድ ዘሎ ምፅናት ዘርኢ ደው ንምባል ማሕበረሰብ ዓለም ከምዝዘንገዐ ጋዜጠኛ Euronews ሙስጦፋ ባግ ወቒሱ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ምፅናት ዘርኢ ትግራይ እናተጋደደ ይፅእ ከምዘሎን ሎሚ ሓደ ነገር እንተዘይተገይሩ ሰዓብየኑ ከቢድ ከምዝኾውን ሓቢሩ።

ብምዃኑ እውን ማሕበረሰብ ዓለም ነዚ ግፍዒ ደው ንምባል ኩሉ ዓይነት ምክልኻል ክገብር ከምዘለዎ ኣረዲኡ።

ማሕበረሰብ ዓለም ተወለድቲ ብሄረ ትግራይ ዝበፅሖም ዘሎ ኩሉ ዓይነት ግፍዒ ክስቆሮን ደው ንምባል ሞራላዊ ግቡእ ከምዘለዎን ኣገንዚቡ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍላት ዓለም ዘለው ተጋሩ ኩሉ ዓይነት ኣገልግሎትን መራኸቢታትን ደው ብምባሉ ምስ ስድራቤቶምን ኣዝማዶምን ክራኸቡ ከምዘይከኣሉ እውን ኣቃሊሑ።

ብተወሳኺ ኣብ ትግራይ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ወገናት ኣብ ከቢድ ጥምየት ወዲቖም ህፁፅ ረዲኤት ከምዘድልዮምን ሰብኣዊ ረዲኤት ክረኽቡ ኩሉ ዓይነት ፃዕርታት ክግበርን እቲ ጋዜጠኛ ፀዊዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ውሑድ ቁጽሪ ዘለዎን ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና መካይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ እየን ኢሉ እኳ እንተነበረ ክሳብ ሕጂ ግን ዝኮነ ይኹን ዓይነት ሓገዝ ናብ ትግራይ ምእታው ከምዘይተከኣለ ምክትል ዋሃቢ ቃል ዋና ጻሓፊ ውድብ ሕብራት ሃገራት ፋራን ሃክ ምዝራቡ ይፍለጥ።

ከምኡ እውን ዝተፈላለየ ዓይነት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጸዓና 20 መኻይን ብኣብዓላ ኣቢሉ ናብ ትግራይ ክኣትዋ ተሓሲቡ ዋላ እንተነበረ እቲ ሓገዝ  ካብ ከተማ ኣብዓላ ክንቀሳቀስ ከምዘይከኣለ ፋራን ሃክ ተዛሪቡ እዩ።

ኣብ ትግራይ ዝግበሩ ናይ ሰብኣዊ ሓገዛት ሕጂ እውን ዝተፈላለዩ ጸገማት እናጋጠምዎ እዮም ዝበለ ፋራን ሃክ እኩል ዝኮነ ቀረብ፣ነዳዲን ጥረ ገንዘብን ይኣትው ከምዘየለን መንግስቲ ኢትዮጲያ ሰብኣዊ ሓገዛት ነጻን ተበጻሒን ክገብር ከምዝፀወዐ እውን ዝዝከር እዩ።