ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ፡ ንኣዛዚ ክፍለ ሰራዊት 87 ሓዊሱ ኣሽሓት ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝቐተለ ተሓቢሩ።

ሓይልታት ምክልካል ትግራይ ምስ ሙሉእ ዓቕሙ ካብ መሬት ዓፋርን ኣምሓራን ለቒቑ ናይ ቦታ ምትዕርራይ ዝገበረሉን ምኽንያት ምእንተ ሰላም ክብል ብዘይ ናይ ፀላኢ ፅዕንቶ ብትልሙ መሰረት ናብ ደጀን መሬት ትግራይ ዝኣተወ ኾይኑ ጉጅለ ፋሽሸቲ ኣብየ ኣሕመድ ነቶመ ሰራዊት ትግራይ ብዘይውግእ ዝለቐቖም ተዋጊኡ ዝሓዞም ብምመሳል ንህዝቢ ኣብ ምትላል ኣብ ምድንጋርንን ከምዘሎ ቴሌቪዥን ትግራይ ፀብፂባ፡፡

ሰራዊት ኢትዮጵያ 13 ታሕሳስ 2014 ዓ/ም ካብ ቆቦ ናብ ጥሙጋ ፀጋማይ ኣንፈት ኣካል ደቡብ እዚ ዝኾነ 87 ክፍለ ሰራዊት ኣብልዕሊ ሰራዊትና መጥቃዕቲ ዝኸፈተ እንትኾን ጅግና ሰራዊትና ብዝገበሮ ናይ ምክልኻልን ብዝወሰዶ ዕውት ፀረ መጥቃዕቲ ንዋና ኣዛዚ እቲክፍለ ሰራዊት ኮነሌል ኣብዱ ኣሕመድን ካልኦት ኮሎኔላትን ሻለቃታትን ዝርከቦም ልዕሊ ሓደሽሕ ምውታት ልዕሊ ሸውዓተ ሚእቲ ድማ ቁሱላት ብምግባር ብዓሰርተታት ዝቑፀሩ ድማ ምሩኻት ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብኣማኢት ዝቁፀሩ ማእከለዎትን ፎከስትን ብረታት እንትምንዝዕ ክልተ ኦራላት ኣቃፂሉ ትሽዓተ ዝተፈላለያ መራኸቢ ሬድዮታት ኣብ ኢድ ቁፅፅር ሰራዊትና ብምግባር ጅግና ሰራዊትና ከምቲ ልሙድ ድሙቅ ዓወት ከምዘመዝገበ ቴለቪዥን ትግራይ ኣቃሊሑ፡፡