ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ብመንግስቲ ትግራይ ዝተግበረ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ፃውዒት ነፂጉ ክብል ሲኤኤን ፀብፂቡ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ብመንግስቲ ትግራይ ዝተግበረ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ፃውዒት ብምንፃግ ኲናት ደው ናይ ምባል ጩራ ተስፋ ኣፀልሚቱዎ ክብል ሲኤኤን ፀብፂቡ።

ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚኒስቴር ኢትዮጵያ ቢለነ ስዩም ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃበቶ ቃል እዚ ግጭት ሰላማዊ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክህልዎ ንደሊ ኢና እንተኾነ ተሓታትነት ዘለዎ ክኸውን ኣለዎ ኢላ።

ንመንግስቲ ትግራይ ዝሃብናዮ ተኹሲ ደው ናይ ምባል ዕድል ሓሊፉ ዩ ዝበለ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ትግራይ ስትራቴጂያዊ ምንስሓብ ድዩ ገይሩ ወይ ከዓ ተሳዒሩ ዝብለ ጊዜ ባዕሉ ዝፈርዶ ጉዳይ ዩ ክትብል እታ ወሃቢት ቃል ወሲኻ ገሊፃ።

መንግስቲ ትግራይ ብሰንበት ሰራዊቱ ኩሉ ካብ ዓፋርን ኣምሓራን ብምስሓብ ንድርድር ቅሩብ ምዃኑ ምግላፁ ዝዝከር ኮይኑ እዚ ድማ እቲ ግጭት ካብ ዝጅመር ድሕሪ 13 ኣዋርሕ ተስፋ ዝተገበርሉ ስጉምቲ ምንባሩ ሲኤንኤን ኣብ ፀብፃቡ ሓቢሩ።