ስርዓት ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ; መከፋፈሊ ጣቢያ ሓይሊ ኤሌትሪክ ደብዳብ ድሮን ፈፂሙ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ኣካል እቲ ኮነ ኢሉ ዝተትሓሓዞ ትግራይ ናይ ምዕናው እከይ ተግባር ትማሊ ኣብ መቐለ ኣብ ዝርከብ  መከፋፈሊ ጣቢያ ሓይሊ ኤሌትሪክ ደብዳብ ድሮን ፈፂሙ።

ከምፀብፃብ ቴሌቭዥን ትግራይ በቲ ደብዳብ ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ናይቲ ጣቢያ ሰራሕተኛታት ጉዳኣት ከምዝበፅሐ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኣብቲ ልዕሊ ሳብ ስቴሽን ዝበፅሐ ጉድኣት ዝኽፍአ ምዃኑ ውን ሓደ ካብቶም ሰብ መዚ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ትግራይ  ዝኾነ ኣይተ ክፍለ ተስፋይ ገሊፁ።

እቲ መከፋፈሊ ጣቢያ ካብ ተከዘ ዝመፅአ ሓይሊ ናብ መላእ ትግራይ ዝከፋፈለሉ ብምንባሩ  እቲ መጥቃዕቲ ዝኸበደ ይገብሮ ተባሂሉ።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ትግራይ ኣምበርኪኹ ንምፅናት ኩሉ መሰረታዊ ግልጋሎታት ብምዕፃው እታ ብጉልበቱ እንዳፀገነ ክጥቀመላ ዝፀንሐ እንኮ ፍልፍል ሓይሊ ኢሌክትሪክ ዝኾነት ተከዘ ቅድም ክብል ብተደጋጋሚ ከምዝደብደባ ዝፍለጥ ዩ።

ከምኡ ውን ብምወላ ቱርኪ፣ ዓረብ ኤሜሬት፣ ቻይና፣ ራሻን ካልኦት ፀረ-ሰላም ሓይልታትን ብዝረኸበን ድሮናትን ኣፅዋርን ኣብዝሓለፈ ሰሙን ንሰለስተ ተኽታተልቲ መዓልታት ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ነባሪ ህዝቢ ኣላማጣ ደብዳብ ብምፍፃም 42 ሰባት እንሞቱ ልዕሊ 150 ከምዝቖሰሉ ዝፍለጥ እዩ።