ኣሜሪካ፡ መሸጣ ድሮን ቱርኪ ከምዘስግኣ ገሊፃ።

ሰበስልጣናት ኣሜሪካ፡ ቱርኪ ድናት ናብ ኢትዮጵያ ትሸይጥ ከምዘላን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ኣብፃር ሰራዊት ትግራይ ኣብዝገብሮ ዘሎ ኲናት ይጥቀመለን ከምዘሎ ዝሕብሩ መረዳእታታት እንዳወሰኹ ይመፁ ከምዘለው ስግኣቶም ገሊፆም።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምዕራባውያን ከምዝሓበሮ መሸጣ ድሮን ቱርኪ ምስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንበረቶ እገዳ ኣፅዋር ዝፃባእ ብምዃኑ ዋሽንግተን ዓብይ ስግኣት ሰብኣዊ ቅልውላው ኣለዋ ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ስቴት ዲፓርትመን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ጀፍረይ ፌልትማን ብዛዕባ ፀብፃባት ምጥቃም ድሮን ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ሰለማውያን ሰባት ዘብፀሐኦ ጉድኣትን ዝምልከት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቱርኪ ኣብዝገበሮ ዑደት ኣልዒሉ ምዝታዩ ሓቢሩ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ቱርኪ ዋሽንግተን ኣብ ቀረባ ጊዜ ዝተገበሩ ውሑዳት ኣኼባታት ቅርታኣ ገሊፃ እያ ኢሉ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ብዛዕባ እዚ ተሓቲቱ መልሲ ኣይሃብን ዝበለ ሮይተርስ፡ ንብርክት ዝበላ ሃገራት ኣውሮፓ፡ ኣፍሪቃን ኤስያን ድሮናት ትሸይጥ ዘላ ቱርኪ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ህውከት ዓብይ ግደ ትፃወት ከምዘላ ብምኽሓድ ተፃባእቲ ናብ ዘተ ክመፁ ምስ ክልቲኦም ወገናት ትራኽብ ከምዘላ ትዛረብ ኢሉ።

ይኹን እምበር ኣሜሪካ፡ ቱርኪ ኩሉ ዓለምለኻዊ ሕግጋት ሓሊፋ ነታ ናይ ኣፅዋር እገዳ ዝተገበረላ ኢትዮጵያ ሙሉእ ኣቕርቦት ድሮናትን ሰብሓይልን ትገብር ከምዘላ ዝሕብሩ መረዳታታት ይወፁ ከምዘለው ሓቢራ።

ኣሜሪካ ኣብ ወርሒ ጉንበት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ማዕቐብ ኣፅዋር ከምዘንበረት ዝዝከር ኮይኑ ቱርኪ፣ ዓረብ ኤሜሬት፣ ቻይና፣ ራሻን ካልኦት ሃገራትን ብሕቡእን ብቕሉዕን ነዚ ማዕቐብ ብምጥሓስ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፈን ኣብ ምፅናት ዓሌትን ዕንወት መሰረተ ልምዓትን ትግራይ ተፀሚደን ከምዘለዋ ይፍለጥ።