ፍሉይ ልኡኽ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ጀፈሪ ፌልትማን ሰራዊት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ምውጾኦም ኣድኒቑ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜርካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ጀፈሪ ፌልትማን ሰራዊት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ምውጾኦም እቲ ዂናት ጠጠው ንምባልን ሰላም ንምምላስ ፖለቲካዊ ዘተ ንምጅማር  ከም ጽቡቅ ዕድል ክረኣይ ከምዝግባእ ተዛሪቡ።

ሰራዊት ትግራይ ካብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ምውፆኦም ስዒቡ ኣብ ዝሓቦ ርኢቶ ሐዚ ኣብ ኢትዮጲያ ዘለው ተጻባእቲ ሓይልታት ፍሉይ መገዲ ክክተሉ ዝክእሉ ዕድል ተፈጢሩ ከምዘሎ እውን ሓቢሩ።

ከምኡ እውን መንግስቲ ኢትዮጲያ ሓይልታት ምኽልካል ትግራይ ካብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ይውጹ ክብል እዩ ጸኒሑ።  ኣሜርካ እውን እዚ ክትብል እያ ጸኒሓ። ሐዚ እዚ ኮይኑ ኣሎ። ስለዚ ቀንዲ ጠለብ መንግስቲ ኢትዮጲያን ኣሜርካን ዝነበረ ከምዝተፈትሐ ኣረዲኡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ እውን ሃገራዊ ዘተ ከሳልጥ እየ ይብል ኣሎ። እንተኾነ ኲናት እናካየድካ ሃገራዊ ዘተ ብጎኒ ክተካይድ ኣይትክእል። ሐዚ ንኣዋርሕ ክንጽበዮ ዝነበርና ጽቡቅ ዕድል ተፈጢሩ ኣሎ።ካብ ውግእ ናብ ፖለቲካዊ ልዝብ ክስገር ይግባእ ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ሐዚ እውን ምስ መንግስቲ ትግራይ ክዘራረብ ቁሩብ ከምዘይኮነ ገሊፁ።

እቲ ኲናት ብዲፕሎማሲያዉ መንገዲ ንፍታሕ ድልየት ኣየርእይን ዘሎ ክብል ካብ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሕቶ ዝቀረበሉ ጀፌሪ ፌልትማን “እዚ ዝኾነ ወታደራዊ መፍትሒ የብሉን። ሸውዓተ ሚልዮን ህዝቢ ትግራይ ኣሎ። ሸውዓተ ሚልዮን ንእሽተይ ሚኢታዊ ቁጽሪ ህዝቢ ኢትዮጲያ ክኸውን ይክእል እንተኾነ ኣብ መሬቶሙን ዓዶሙን እዮም ዘለው። ተወዲቦም ብሓድነት መሬትና እዩ ዝብልዎ ክኸላኸሉ እዮም። ናይዚ ኲናት እዚ ኪሳሩኡ ከቢድ እዩ። ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዘይኾነስ ንኢትዮጵያ እውን። መንግስቲ ኢትዮጲያ ብፋይናንስ እውን ብዙሕ ከሲሩ እዩ። ንመንግስቲ ኢትዮጲያ ኮነ መንግስቲ ትግራይ ናብ ሰላም ክመጹ ኢና ንጽውዕ ዘለና” ክብል መንግስቲ ኢትዮጲያ መገዲ ሰላም ተሓሲሙ ኲናት እንተቀጺሉ ክገጥሞ ዝክእል ኪሳራን ቃልሲን ህዝቢ ትግራይ ታይ ክኸውን ከምዝክእል ኣብሪሁ።

መንግስቲ ትግራይ ቅድሚ ኲናት ኮነ ድሕሪ እቲ ኲናት ንሰላምን ዘተን ዘለዎ ቁሩብነት ብተደጋጋሚ እናገለጸ ዝጸነሐ እንትኸውን ሐዚ እውን ካብ ክልል ዓፋርን ኣምሓራን ሰራዊቱ ዘውጸኣሉ ሓደ ምክንያት ንዘተን ሰላምን ዕድል ንምሃብ ከምዝኮነ ፕረዝደንት ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ናብ ዋና ጻሓፊ ውድብ ሕብራት መንግስታት ኣንተንዮ ጉተሬዝ ኣብዝጸሓፎ ደብዳቤ ኣፍሊጡ እዩ።

ነዚ ኣመልኪቱ ርኢቱ ዝሃበ ፍሉይ ልኡክ ኣሜርካ ጅፌሪ ፌልት ማን እውን ብወገን ትግራይ ብግልጺ ብጹሑፍ ዝተገበረ ንሰላምን ዘተን ዘሎ ቁርጸኝነት ኣለና።

ሐዚ ናይ መንግስቲ ኢትዮጲያ እያ ቁርጸኝነት እዩ ዝተርፈና ክብሉ ገሊጾም።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ብወገን ትግራይ ዝቀርበሉ ናይ ሰላም ጻዊዒት ብተደጋጋሚ ብምሕሳሙ ምክንያት እታ ሃገር ኣብ ከቢድ ኪሳራ ክትወድቅን ብኣማኢት ኣሸሓት ዝቁጸር ሰራዊታ ክትስእንን ዝገበረ እንትኸውን ኣብዚ ሐዚ እዋን ማሕበረሰብ ዓለም መንግስቲ ትግራይ ዝወሰዶ ስጉምቲ እናነኣደ መንግስቲ ኢትዮጲያ ንዘተ ቁሩብ ክኸውን ኣብ ምጽዋዕ ይርኸብ።