ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራት ተጋሩ፡ ብመንግስቲ ትግራይ ዝወፀ ፃውዒት ሰላም ከምዝድግፍ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ተጋሩ ልዕሊ 3500 ምሁራትን ሰብ ሞያን ዘለዉዎ ማሕበር እንትኾን እቲ ዝካዬድ ዘሎ ኲናት ብሰላማዊ መድገዲ ክፍታሕ ዝፅውዕ መግለፂ ኣውፂኡ።

እቲ ማሕበር ኣብ መግለፂኡ ንህዝቢ ትግራይ፣ መንግስቲ ትግራይን ኣባላት ሰራዊት ትግራይን ንዘካይድዎ ዘለዉ ዘይተሓለለ ቃልሲ ዘድነቐ እንትኾን ኣብቲ ን ልዕሊ ሓደ ዓመት ዝተኻዬደ ኲናት መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ጨፍጫፍ ዓሌት፣ ገበናት ኲናት፣ ገበን ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነትን ተግባራት ምፅናት ዓሌትን ክፍፅሙ ፀኒሖም እዮም ኢሉ።

እዚ ናይ ምፅናት ዓሌት ወፍሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ በይኑ ዝፍፅሞ ዘሎ እንተይኮነስ ቻይና፣ ዩናይትድ ዓረብ ኢምሬትስ፣ ኪንግዶም ኦፍ ሳውዲ ዓረብያ፣ ኢራንን ቱርክን እውን ዝተሳተፋሉ እዩ ክብል ዝገለፀ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራት ተጋሩ ነዚ ትግራይን ተጋሩን ገጢሙዎም ዘሎ ናይ ህልውና ሓደጋ ንምፍታሕ መንግስቲ ትግራይ ን ፖለቲካዊ ውድባት፣ መናእሰይ፣ ደቂ ኣንስትዮ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ሲቪክ ማሕበራትን ዘሳትፍ ከካይድን እቲ ዝካዬድ ዘተ ሰላም መፃኢት ትግራይ ውሕስቲ፣ ሰላማዊትን ብልፅግትን ብዝገብር መልክዑ ክኸውን ንመንግስቲ ትግራይ ፀዊዑ እዩ።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ምሁራት ተጋሩ እቲ ናይ ሰላም ፃውዒት ከምዝድግፍን ፃዕርታቱ ከም ዝቕፅልን እውን ኣብ መግለፂኡ ኣስፊሩ እዩ።