ኢትዮጵያ ካብ ቀረፅ ናፃ ዕዳጋ ኣሜሪካ ከምዝተባረረት ተገሊፁ።

ኣሜሪካ ኣብ ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪካ ንዝርከባ ብርክት ዝበላ ሃገራት ፍርያተን ናብ ዕዳጋ ኣሜሪካ ብዘይቀረፅ ከእትዋ ዕድል ዝህብ ብሽም ኣገዋ ካብ ዝፍለጥ ዕድል ንኢትዮጵያ ከምዝሰረዘታ ገሊፃ።

እቲ እገዳ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ትፍፅሞ ንዘላ ወራር ደው ክተብል ብተደጋጋሚ ካብ ኣሜሪካ ለበዋ እናቐረበላ ዝፀንሐ ኮይኑ ጠጠው ተዘየቢላ ካብቲ ዕድል ከምትእግዳ ትሕነ ምፅንሓ ኣሜሪካ ከምዝወሰነቶ ኣፍሊጣ።

ኢትዮጵያ ብግዲኣ ብርክት ዝበሉ ሴናተራት ነቲ ውሳነ ክቃወሙላ ተላብያ እንተነበረት እውን ምምሕዳር ጆ ባይደን ግና ካብ ትማሊ ጀሚሩ ንኢትዮጵያ ካብ ኣገዋ ንገዚኡ ካብቲ ዕድል ክትስረዝ ከምዝወሰነ ብሉበርግ ፀብፂቡ።

ኢትዮጵያ፡ ብመንገዲ ኣግዋ ኣብ 2020 ዓ/ም ልዕሊ 237 ሚልዮን ዶላር ዝትመኑ ኣቕሑ ብዘይቀረፅ ናብ ዕዳጋ ኣሜሪካ ከምዘቕረበት ይግለፅ።

ኣግዋ፡ ትሕቲ ሰሃራ ንዘለዋ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ኢንቨስትመንትን ብዙሕነት ፖሎቲካን ምምሕያሽ ንዘርኣያ ሃገራት ከም መበረታተዒ ዝወሃብ ካብ ቀረፅ ናፃ ዕዳጋ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ብመንገዲ “ኣጎዋ” ብርክት ዝበሉ ሰብ ሃብቲ ወፃኢ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ኮይኖም ኣብ 2012 ዓ/ም ካብ ቀረፅ ናፃ ዕዳጋ ጥራሕ ልዕሊ 200 ሚልዮን ዶላር ኣታዊ ከምእትረክብ ይግለፅ።

እቲ ኢትዮጵያ እትረኽቦ ካብ ቀረፅ ናፃ ዕዳጋ “ኣጎዋ” ደው እንትብል ምስቲ ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ናህሪ ዋጋ ዕዳጋን ቅልውላው ቁጠባን ተዛሚዱ ኢትዮጵያ ናብ ኣዚዩ ዝኸፍአ ኩነታት ከምረሓ ተዓዘብቲ የረድኡ።