ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኢትዮጵያን መላፍንቱን ዘየዳግም ጭቡጥ ስጉምቲ ክወስድ መንግስቲ ትግራይ ፀዊዑ።

ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ኣብዚ ሃገር ዝተፈጠረ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ መሰረታዊ መፍትሒኡ ዝርከብ ብፖለቲካን ዘተን ምዃኑ ብምእማን ኩሉ ነገር ብሕጊ፣ብሰላምን ምይይጥን መዕለቢ ክረክብ ከይተሓለለ ተቓሊሱ ክሳብ ሐዚዉን ንሰላም ዘለዎ ቅሩብነቱ እናገለፀ ከምዝመፀ መንግስቲ ትግራይ ገሊፁ።

ኣብ ቀረባ ጊዜ ድማ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንሰላም ካብ ዘለዎም ባህጊ፣ ድልየትን እምነትን ዝብገስ ሰራዊት ትግራይ ተቖፃፂርዎም ካብ ዝነበሩ ዝተፈላላዩ ቦታታት ዓፋርን ኣምሓራን ብገዛእ ፍቓዱ ከምዝወፀ ሓቢሩ።

እዚዉን ንሰላም ቀዳምነት ዝሃብና ምዃና ማሕበረሰብ ዓለም ተረዲኡ ብዝተፈላለየ መንገዲ እወንታዊ ሓሳቡ ከምዝሃበ መንግስቲ ትግራይ ኣብ መግለፂኡ ሓቢሩ።

ይኹን ደኣምበር እቲ ንመንበረ ስልጣኑ ክብል ህዝቢ ትግራይ ንምፅናት ቅሉዕ ወራር ብምክያድ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ንልዕሊ ሓደ ዓመት ጆኖሳይድ ዝፈፀመን ይፍፀም ዘሎን ሕዚዉን ንዘቕረብናዮ ፃዉዒት ሰላም ፀማም እዝኒ ሂቡ እከይ ኣረመንያዊ ተግባሩ ኣጠናኺሩ ከምዝቐፀሎ ሓቢሩ።

ብምዃኑ እውን ሰራዊት ስርዓት ኢትዮጵያ ሕገ መንግስታዊ መሬት ትግራይ ብደቡብ ኣንፈት ብምጥሓስ ኲናት ከምዝኸፈተ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ሰራዊት ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ እውን ናይ ከቢድ ብረት ደብዳብ ናብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ከምዘካየደ ኣብሪሁ።

ስለዝኾነ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ሕዚውን ከም ወትሩ ህልውንኦም ንምርግጋፅ ክብሉ ንዝወሰድዎ ስጉምቲ ተሓታቲ ጉጅለ ፋሽሽቲ ኣብይ ኣሕመድን መላፍንቱን ኩሎም ወረርቲ ሓይልታት ምዃኖም ነፍልጥ ኢሉ።

ዓለምለኸ ማሕበረሰብ እውን ንሰላም ተሓሲሙ መወዳእታ ዘይብሉ ደም ምፍሳስ ንምቕፃል ላዕልን ታሕትን ንዝወናጨፍ ዘሎ ስርዓት ኢትዮጵያን መላፍንቱን ዘየዳግም ጭቡጥ ስጉምቲ ክወስድ መንግስቲ ትግራይ ፀዊዑ።

ስርዓት ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ናብ ትግራይ እንተኣትዩ ንምውፃእ ከምዝሽገርን ናብ መቐለ ናይ ምእታው መደብ ከምዘይብሉ ገሊፁ።

ኮይኑ ግና ኣብ ዝተመረፁ ዝበሎም ከባብታት ትግራይ መጥቃዕታት ነፈርቲ ከምዝፍፅም ምሕባሩ ዝፍለጥ እዩ።

ብተወሳኺ ሰራዊት ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ናፃ ኣብ ዝወፃ ክልተ ክልላት ክፀንሕ ወሲና ኣለና ዋላ እኳ እንተበለ ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓትን ሰለማውያን ሰባትን ዝገብሮ ደብዳብ ከምዝቐፀሎ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ምቅልሑ ይዝከር።