ኣብ 2022 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን 22 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝጠልቡ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝመፅእ ሓደ ዓመት ዘድልያ መጣን ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝውስኽን እዚ ድማ ብምኽንያት እቲ ዘሎ ኲናት፣ ድርቂ፣ ተላበድቲ ሕማማትን ወራር ዕስለ ኣምበጣን ምዃኑ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዛት ገሊፁ።

“ኣብ መብዛሕቲኡ ከባብታት ኢትዮጵያ ክሳብ 20 ሚልዮን ዝብፅሕ ህዝቢ ክሳብ መወዳእታ እዚ ዓመት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ክደልይ እዩ። እቲ ፀብፃብ ከምዝብሎ እቲ ዝተገመተ ቁፅሪ ክውስኽ ከምዝኽእልን ብፍላይ ድማ ኣብተን ኣዝዬን ዝተጠቕዓ ትግራይ፣ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ርዳእታ ዘድልዮ በዝሒ ህዝቢ እናወሰኸ ይርከብ።

ነቲ ፀገም ንምፍታሕ 1.4 ቢልዮን ዶላር ከም ዘድሊ ዝተገመተ እንትኸውን ህፁፅ ርዳእታ ዝፅበ ህዝቢ ቁፅሩ እናወሰኸ ምምፅኡ ተገሊፁ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምፅናት ዓሌት ዝዓለመ ኲናት ብምክያድ ቁጠባ ኢትዮጵያ ናብ ታሕቲ ከንቆልቁል ኣብ ልዕሊ ምግባሩ ንሰላምን ዘተን ብምሕሳም ድማ ኢትዮጵያ ካብ ኣጎዋ ክትባረር ገይሩ እዩ።

ብምኽንያት እቲ ኲናት ኣብ ትግራይ ልዕሊ 6.3 ሚልዮን ህዝቢ ህፁፅ ሓገዝ ከምዝደሊ ይፍለጥ።