ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኩሎም ኣማራፂታት ስጉምቲ ክትወስድ ፃውዒት ቀሪቡ።

ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኩሉ ዓይነት ስጉምቲ ክትወስድ ኣሜሪካዊ ተወካሊ ግዝኣት ካሊፎርንያ ሴናተር ብራድ ሸርማን ፀዊዑ።

ስርዓታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ረዲኤትን መድሓኒትን ከይኣቱ ብምኽልካሎም ኣስታት 1 ሚልዮን ተጋሩ ኣብ ኣፍ ሞት ከምዘለው ሓቢሩ።

ብምዃኑ እውን ኮነ ኢሎም ህዝቢ ትግራይ ብጥምየት ንኽውዳእ ይሰርሑ ከምዘለው ዘርኢ ከምዝኾነን እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ጆኖሳይድ ብምዃኑ ኣሜሪካ ኩሎም ኣማራፂታት ክትጥቀም ብራድ ሸርማን ኣተሓሳሲቡ።

ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ሰራዊተይ ናብ ትግራይ ኣየእቱን ዝብል ተደጋጋሚ መግለፂ ዋላ እኳ እንተውፀአ ኮይኑ ግና ብኹሎም ግምባራት ናብ ትግራይ ንምእታው ዋላ እኳ እንተፈተነ ብሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ግቡእ ስጉምቲ ተወሲዱሉ ኣብ ዘለዎ ተሸምሪሩ ክቕመጥ ከምዝተገደደ ዝፍለጥ እዩ።

ዓንፆ ዓንፆ ንማዕፆ ከምዝበሃል ድማ እቲ ስርዓት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ነበርትን መንበሪ ኣባይትን ብኣልማማ ደብዳብ ድሮንን ነፈርትን የካይድ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ዝሓለፈ ሰሙን እውን ሴናተር ብራንድ ሼርማን፡ሑቡራት ሃገራት፡ ነዚ ንምትግባር ዘኽእል ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ትግራይን ከዋፍር ዝደፋፍእ ተግባር ከምዝጠለበ ይዝከር።

እቲ ብሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ንፃውዒት ብምስማዕ ዝተገበረ ናይ ምንስሓብ ውሳነ ኣዚዩ ዝነኣድ ዕውት ውሳነ ከምዝኾነ ብራንድ ሼርማን ኣድናቖቱ ገሊፁ ነይሩ።

ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ እናተጋደደ ዝመፅእ ዘሎ ምፅናት ዘርኢ፡ ሕጂ ስጉምቲ እንተደኣዘይተወሲዱ ካሊእ ሩዋንዳ ክፍጠር ከምዝኽእል ኣጠንቂቁ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

ሰበ ስልጣናት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንተወለድቲ ትግራይ ኣናፁን ካንሰርን እናበሉ ከምዝፅውዕዎምን መንግስታዊ ማዕከናት ዜና በዚ እንተደኣቀፂለን ካብዚ ሕጂ እንሪኦ ዘለና ዝገደደ ሰዓብየን ክመፅእ ከምዝኽእል ኣጠንቂቁ ነይሩ።