ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ጀኖሳይድ ንዝግበር መፅናዕቲ ሕብረተሰብ እኹል መረዳእታ ክህብ ከምዘለዎ ተገሊፁ

ስርዓት ኢትዮጵያን መላፍንቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀምዎ ጀኖሳይድ ብዝግባእ ተሰኒዱ ንክቕመጥን ማሕበረሰብ ዓለም ክፈልጦን ብዕቱብ ክስራሕን ከም ዝግባእ ቢሮ ፍትሒ ትግራይ ኣፍሊጡ።

ስርዓት ዓብይ ኣሕመድ ዝዝውሮ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ምስ ካልኦት መድረግቲ ኣካላት መንግስትን ህዝቢ ትግራይን ከይሓተተ ሓቃውነት ዘይብሉ መፅናዕቲ ከምዘካየደ ኣብ ቢሮ ፍትሒ ትግራይ በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ኢዛና ሙላው ኣረዲኡ።

እቲ መፅናዕቲ እውን ትክክል ከምዘይኮነ ምስተፈለጠ ዘይሻራዊ ኣካል ኣትዩ ኣፃርዩ ሓደ ዕልባት ክበፅሕ ኣለዎ ተባሂሉ ዝተወሰነ ውሳነ ዓብይ ዓወት ዲፕሎማሲ እዩ ኢሎም።

እቲ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ትግራይ ብግፍዐኛታት ወረርትን ተስፋሕፋሕትን ሓይልታት ዝተፈፀመ ሕድሕድ ግፍዒ ህዝቢ ትግራይ ነቶም መፅናዕቲ ዘካይዱ ኣካላት እኹል ዝኾነ መረዳእታን ሓበሬታን ብጥንቃቀ ንኽህብ ከምዘለዎ እውን ኣይተ ኢዛና ኣተሓሳሲቡ።

በዓል ሞያ ሕጊ ኣይተ ቦኽረፅዮን ተኽለሃይማኖት ብግዲኡ፣ ኣብ ትግራይ ብፋሽሽታውያን ወረርቲ ሓይልታት ዝተፈፀመ ከቢድ ገበን ምፅናት ብኽፋል ወይ ብሙሉእ ንምጥፋእ ዝተገበረ ገበን አገዲድካ ምድፋር፣ ሰላማዊ ህዝቢ ምቕታል፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ንከይኣትዉ ምኽልኻል፣ ኣብ ትግራይ ጀኖሳይድ ንኽካየድ ዘለዓዕሉ ነገራት ብሚዲያታቶም ከም ዝተጠቐሙ ገሊፁ።

በዓል ሞያ ሕጊ ወልዳይ ኣረጋዊ ብወገኑ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመ ገበን ብዓለም-ለኸ ሕጊ መለክዒ እንትርአ ጀኖሳይድ ከም ዝኾነ ብምግላፅ ሕቡራት ሃገራት ሕዚ ኣብ ዘካይድዎ መፅናዕቲ መንግስትን ህዝብን ትግራይ እኹል መረዳእታ ክህብ ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቡ።