ኢራን፡ ንስርዓት ኢትዮጵያ እትገበሮ ሓገዝ ኣፅዋር ኲናት ከምዝቐፀለቶ ተሓቢሩ።

ከም ፀብፃብ ማዕኸን ሓበሬታ ኦሪክስ ክሳብ ዛጊድ ካብ ኢራን ናብ ሰመራ ልዕሊ 10 ዝኾኑ ኣፅዋር ኲናት ዝፀዓነ ምልልስ በረራ ከምዝተገበረ ኣቃሊዑ።

እቲ ብሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ ፣ ቻይና ፣ ቱርኪን ኢራንን ንስርዓት ኢትዮጵያ ብምድጋፍ እቲ ኩናት ካብ ዝለዓል ናብዚ ገዘፍቲ ኣፅዋር ኩናት ድጋፍ እናገበራ ፀኒሐን እየን ፣ ሕጂ እውን እናገበራ እየን።

ከምፀብፃብ ማዕኸን ዜና ኦሪክስ ድማ፣ ኢራን እቲ ኩናት ደው ይበል እሞ ናብ ሰላማዊ ዘተ ይመፃእ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን እውን ፣ ዝተፈላለየ ኣፅዋር ኩናት ናብ ኢትዮጵያ ትልእኽ ከምዘላ ኣቃሊዑ።

እቲ ማዕኸን ሓበሬታ ረኺበዮ ብዝበሎ ጥሉል መረዳእታ መሰረት ካብ ወርሒ ነሓሰ 2021 ዓመተ ፈረንጂ ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘሎ ግዘ ፣ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ፋርስ ኤር ቃሽም ኢራን ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ሰመራ ብርክት ዝበለ በረራታት ከምዝተገበሩ ሓቢሩ።

ኢራን ቅድም ክብል ንሶርያ ተጉዓዕዞ ዝነበረትን ብዓለም ለኸ ሕጊ ዝተኸልከለ ኣፅዋር ናብ ኢትዮጵያ ተመላልስ ከምዘለን ዝገለፀ ማዕኸን ሓበሬታ ኦሪክስ ፣ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 10 ግዘ ካብ ኢራን ናብ ኢትዮጵያ መዕርፎ ነፈርቲ ሰመራ ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ካብዚ ዝበዝሑ በረራታት ብመንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦይንግ 747 ፣ 200 ዝበሃላ ነፍርቲ ይመላለስ ከምዘሎን ፣ ብፍላይ ሞሃጀር 6S ዝበሃላ ድሮናት ካብ ኢራን ዝተጉዓዓዛ ንምኻነን እዩ እቲ ማዕኸን ሓበሬታ ጠቁሙ ዘሎ።

ክሳብ ሕጂ ካብ ሕቡራት ዓረብ ኢምሬትስ ናብ ኢትዮጵያ ኣፅዋር ኩናት ፅዒነን ፣ ዝተመላለሳ በዝሒ ነፈርቲ ቦይንግ ልዕሊ 119 ከምዝበፅሐ ዝገለፀ ኦሪክስ ፣ ኩለን ሃገራት ብኣሜሪካ ዝተነበረ እገዳ ብምጥሓስ ዝገበረኦ ምልልስ ምኻኑ ድማ ኣቃሊዑ።