ኣንቶንዮ ብሊንከን ምስ ኡሁሩ ኬንያታ ንቅልውላው ኲናት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ከምዝዘተዩ ገሊፁ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶንዮ ብሊንከን ምስ ፕረዚዳንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ንቅልውላው ኲናት ኢትዮጵያን ሶማልያን ዕልባት ዝረኽበሉ ኩነታት ኣመልኪቶም ከምዝተዛተዩ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶንዮ ብሊንከን፡ ነዚ ዝገለፀ ትማሊ ኣብ ትዩተር ገፁ ኣብ ዝዘርገሖ ፅሑፍ እንትኾን እንታይ ዓይነት ዕልባት ክግበረሉ ንዝብል ግን ዝርዝር መብርሂ ኣይሃበሉን።

ቅድም ክብል እቲ ብመንግስቲ ትግራይ ዝተወሰደ ስጉምቲ ምንስሓብ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ካብ ኣምሓራን ዓፋርን መንግስቲ አሜሪካ ዝነኣዶ ክኸውን ከሎ ቀፂሉ ተመሳሳሊ ስጉምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝፅበ ኣፍሊጡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

እዚ ቅልውላው መዕለቢ ንኽረክብ ኣብ ሉኣላዊ መሬት ትግራይ ሰፊሮም ዘለው ወረርቲ ሓይሊታት ጠቕሊሎም ክወፁን ዕፅዋ ትግራይ ምኽፋትን ብወገን ኤርትራን ኢትዮጵያን ትፅቢት ዝግበር ጉዳይ እዩ።