መንግስቲ ኢትዮጲያ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣዎጆ ኲናት ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ጸገም ከምዝወደቐ ፎርችን ጋዜጣ ጸብጺቡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ልዕሊ 29 ቢልዮን ዶላር ድምር ዘይተኣደነ ናይ ደገ ልቃሕ ኣለዎ እዩ ዝብለ ፎርቹን ጋዜጣ ነዚ ዋና ምክንያት ድማ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ሲዒቡ ዝመጸ ዲፕሎማሲያዊ ውድቐትን ከምዝኮነ ኣቐሚጡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ብሰንኪ ጥሒልዎ ዝርኸብ  ከቢድ ቁጠባዊ ቁልውላው ካብ ደገ ኣብ ልዕሊ ዝኣትው ዝነበረ  ስንዳይ ዝገብሮ ዝነበረ ድጎማ ሙሉእ ንሙሉእ ጠጠው ዘበለ እንትኸውን ብተመሳሰሊ ኣብ ነዳዲ እውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ብምዋስድ ዋጋ ነዳዲ ክንህር ጌርዎ እዩ።

ብዛዕባ ኣክሲዮንን ቦንድን ፋይናንሳዊ/ገንዘባዊ ጽንዓትን ትንታነን ዝህብ S&P ግሎባል ዝተበሃለ ትካል  ዕዳ ኣብ ግዚኡ ናይ ምምላስ ዓቅሚ  ደረጃ  ኢትዮጲያ ካብ B- ናብ CCC+ ኣውሪድዎ ምንባሩ ዝዝኸር ኮይኑ CCC+ ደረጃ ኣዝዩ ልዑል ሓደጋ ዘለዎም ቦንድን ኢንቨስትመንትን ዝውክእል እንትኸውን ናይታ ሃገር ዕዳ ናይ ምምላስ ዓቅሚን ድሌትን እውን ትሑት ምዃኑ ዘመላክት እዩ።

በዚ ምክንያት እውን IMF ንኢትዮጵያ ክህቦ ዝበሎ 2.9 ቢልዮንን ዶላር ጠጠው ዘበለ እንትኸውን ብቻይና ዝምዎሉ ዝነበሩ ፕሮጀክታት እውን ናይ ኢትዮጲያ ልቃሕ ናይ ምምላስ ዓቅሚ ክሳብ ግልጺ ዝኸውን ዝግበር ዝነበረ ፋይናንሳዊ ደገፍ ጠጠው ኣቢሎም ይርኸቡ።

መንግስቲ ኢትዮጲያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝኣዎጆ ኲናት ሲዒቢ ብቢልዮናት ዝቑጸር ዶላራት ዘውጸአ እንትኸውን ዘሎን ዘየለን ሃፍቲ እታ ዓዲ ጓሕጊሑ ንመግዝኢ ኣጽዋራት የውዕል ከምዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ ነዚ ስዒቡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ቁጠባ ኢትዮጲያ እናተሽመድመደ ዝርኸብ ኮይኑ እታ ሃገር ዘለዎ ናይ ደገ ዕዳ ኣብ እዋኑ ናብ ምክፋል ዘይትክእለሉ ብርኪ ተሳጢሓን ዋጋ መሰረታዊ ሸቐጣት ንሂሮም ይርኸቡ።