ፌደራሊስት ሓይልታት ዓፋር፡ ኣብ ኣብዓላ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብወታደራት ኢትዮጲያን ኤርትራን ዝተፈጸመ ጨፍጫፍ ኣውጊዙ።

ልዕሊ 250  ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ወረዳ ኣብዓላ ብሰራዊት መንግስቲ ኢትዮጲያን ኤርትራን ብግፍዒ ምቅታሎሙን  ልዕሊ 600 ወገናት ድማ ምምዝባሎሙን ከምዝኩንኖ ዓፋር ፌደራሊስት ሓይልታት ገሊጹ።

ክሳብ ሐዚ ተወለድቲ ትግራይ ነበርቲ ክልል ዓፋር ወረዳ ኣብዓላ ብወታደራት ኢትዮጲያ ን መሻርኽቱን ይሳቐዩ፣ ይቕተሉ፣ ይመዛበሉን ዘለው እንትኸውን ማሕበረሰብ ዓለም ናይ ሰላም ጻዊዒት እናቅረበሉ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ንጹሃት ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዘሎ ጨፍጫፍ ከውግዙን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጲያ ተግባራዊ ስጉምቲ ክወስዱን ዓፋር ፌደራሊስት ሓይልታት ጸዊዑ።

ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ኣብዓላ ልዕሊ 37 ሽሕ ተወለድቲ ትግራይ ከምዝነብሩ ዝግመት ኮይኑ ሂወትን ድሕንነትን እዞም ነበርቲ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ከምዝርኸብ ካብቲ ከባቢ ዝወጹ ዘለው መረዳእታት የመላኽቱ።