ፕሬዝደንት ሶማል መሓመድ ፎርማጆ ንቐዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር መሓመድ ሑሴን ሮብለ ካብ ስልጣኖም ምእጋፎም ሲዒቡ ኣብታ ሃገር ከቢድ ወጥሪ ነጊሱ።

ኣብታ ሃገር ክካየድ ተታሒዙ ዝነበረ መረጻ ብምንዋሕ ልክዕ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጲያ ዕድመ ስልጣኑ ከቅጽል ዝሞኮረ ፕረዝደንት ፎርማጆ ነዚ ዋና ተናሓናሒ እዩ ኢሉ ዝሓሶቦ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ዘይሕጋዊ ምግዛእ መሬትን ብልሽውናን ብዝብል ክሲ ካብ ስልጣኑ ክኣልዮ ሞኪሩ እዩ።

እንተኾነ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሮበለ ተኣመንቲ ዝኾነ ወታደራትን ፖሊሳት እታ ሃገር ናብ ቤተ መንግስቲ እታ ዓዲ ተሚሞም ኣብ ጎኒ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝኮኑ ዝገለጹ እንትኸውን እቲ ቀድማይ ሚኒስተር እውን ስጉምቲ ፕሬዝደንት ፎርማጆ ዕልዋ መንግስቲን ኢ ሕገ-መንግስታዊን እዩ ክብል ገሊጽዎ ኣሎ።

ንኣሜርካ ሓዊሱ ካልኦት ኣካላትን ንቐዳማይ ሚኒስተር ሮበለ ዘለዎ ደገፍ ዝመላኸቱ ኮይኖም መረጻ ክሳብ ዝካየድ ፕረዝደንት ፎርማጆ ካብ ከምዚ ዝበለ ተግባራት ክቁጠብ ኣተሓሳሲቦም።

ፕረዝደንት ፎርማጆ ምስ ፕሬዝደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ብምኳን ሰሉስ ጥምረት ብምፍጣር ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝተኣወጀ ኲናት ወታደራት ሶማል ናብ ትግራይ ብምልኣክ ቀጥታዊ ተሳታፊ ጨፍጫፍ ዝኾነ እንትኸውን እቲ ዞባ ኣብ ጽልዋ ስሉስ ጥምረት ሰለስቲኦም መራሕቲ ክወድቅ ዘይተሓለለ ጻዕሪ ከካይዱ ምጽንሖም ዝዝከር እዩ።