ኣብ 2022 ትኹረት ካብ ዘድልየን 10 ቀጠና ኲናት ሃገራት ኢትዮጵያ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ዓለም ካብቲ ቅድሚ 2014 ካብ ዝነበረ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ውግእ ናብ ውግእ ሕድሕድ ከምዘዘረት ዝገለፀ ፎረይን ፖሊሲ ኣብ 2022 ትኹረት ዘድልየን 10 ሃገራት ቀጠና ውግእ ኢትዮጵያ ካብ ዩክረይን ቀፂሉ ዓብይ ትኹረት ከምዘድልያ ፀብፂቡ።

እታ ቅድሚ 2 ዓመት ብፅቡቕ ዜና ቅልቅል ኢላ ዝነበረት ኢትዮጵያ ካብ ትፅቢት ዓለም ወፃኢ ኣብ ኲናት ሕድሕድ ጥሒላ ምህላዋ ዘዘኻኸረ እዚ ሚድያ፣ ኣብ ሞንጎ ኣብይ ዝመርሖ ሓይልን ህወሓት ዝመርሖ ሰራዊት ትግራይን ብዝተወለዐ ኲናት እታ ዓዲ ተመቓቒላ ከምዘላ ገሊፁ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ሚሊሻ ኣምሓራ፣ ሰራዊት ኤርትራ፣ ካልኦት ናይ ወፃኢ ሓገዛትን ብሓደ ገፅ፣ በዞም ሓይልታት እዚኦ ብዝበፅሖ ጅምላ ቅትለት፣ ዓመፅ ደቂ ኣንስትዮ፣ ዘረፋን ዕንወትን ዘስካሕኸሐ መንእሰይ ብምትሕብባር መራሕቲ ህወሓት ኣብ በረኻታት ከምብሓዱሽ ብዝተጠናኸረ ሓዱሽ ሓይሊ በቲ ካሊእ ገፅ ኣብዘተገበረ ኲናት ኣብ ሰብን ንብረትን ዓብይ ዕንወት ከምዘብፀሐ ሓቢሩ።

ክልቲኦም ተቓረንቲ ወገናት ነናይ ባዕሎም ደገፍትን ዘለዎምን ብዙሕ ሰራዊት ክቖፅሩ ዝኽእሉን ብምዃኖም እቲ ሐዚ ተፈጢሩ ዘሎ ምንስሓብ ሰራዊት ትግራይ ተጠቒሞም ጎንፂ ከህድኡ እንተዘይክኢሎም ዝኸፍአ ክሳራ ከስዕብ ስለዝኽእል ኣብዚ ሓዱሽ ዓመት ትኹረት ካብዘድልዮም ዓበይቲ ግጭታት ዓለም ሓደ ዩ ኢሉ – ፎረይን ፖሊሲ።

ኣብ ሞንጎ ዩክረይንን ራሻን፣ ኩናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ፣ ጎንፂ ኣፍጋኒስታን፣ ፍጥጥ ኣሜሪካን ቻይናን፣ ኢራን ምስ ኣሜሪካን እስራኤልን ዘልዋ ውጥጥ፣ ግንፂ የመን፣ እስራኤልን ፍልስጤምን፣ ፖለቲካዊ ቅልውላው ሃይቲ፣ ዘርኣዊ ጎንፂ ማይንማር ከምኡ ውን እስላማዊ ጦርነት ኣፍሪካን እቶም ኣብ 2022 ትኹረት ዘድልዮም ዓበይቲ ጎንፅታት ከምዝኾኑ ፎረይን ፖሊሲ ኣዘኻኺሩ።