ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ልዕሊ 20 ሚሊዮን ሰባት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ጥምየት ከምዝወደቑ ተሓቢሩ።

ኔትዎርክ ስርዓት ቅድመ-መጠንቀቕታ ጥሜት ዝተብሃለ ትካል ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምኽንያት ድርቅን ህውከትን ልዕሊ 20 ሚሊዮን ሰባት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ከምዘድልዮም ኣብ ዘውፀኦ መፅናዕቲ ሓቢሩ።

እቲ ትካል እዚ ቁፅሪ ደላዪ ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ዘድልዮ ህዝቢ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሶማሊያን ኬንያን ጥራሕ ምዃኑ ውን ኣፍሊጡ።

እዚ ወሰኽ ልዑል ጠለብ ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ካብ 2016ን 2017 ብ 70 ሚእታዊ ከምዝወሰኸ ብምሕባር ኣብዚ ምብራቓዊ ክፋል ኣፍሪካ ብዘጋጥመ ሓያል ድርቅን ተደጋጋሚ ግጭትን ምዃኑ ዝጠቆመ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝተወልዐ ኲናት ብርክት ዝበለ ህዝቢ ናብ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ከምዝተቓልዐ ገሊፁ።

መብዛሕተኦም ከባብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሕፅረት ማይን ትሑት ኩነታት ሓምለዋይነትን ዋሕዲ ጋህፅን ህፅረት ምህርትን ኣጋጢሙዎም ዩ ዝበለ እቲ ፀብፃብ፣ በዚ ምኽንያት ህዝቢ ቀለብ ናይ ምግዛእ ዓቕሙ ወሪዱ፣ ዋጋ ቀለብ ሰማይ እትነክእ መሸጣ እንስሳኣ ድማ መሬት ዘቢጡ ኢሉ።

ከምኡ ውን ምህርቲ ሕርሻ ብምቕናሱ ጠለብ ጉለበት ሰብ ውን ቀኒሱ ስራሕ ስእነት ከምዘበትራኸተ ሓቢሩ።

ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ቅልውላው ‘ሰሜናዊ ኢትዮጵያ’ እንዳበለ ዝገለፆ እኳ እኝተኾነ ንኣርባዕተ ተኸታተልቲ ዓመታት ዋሕዲ ዝናብ ብምግጣሙን ካብዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ድማ ኣብዚ ዓመት ካብዘጋጠሙ ግጭታት እቲ ዝኸፈአ ኲናት ብምውልዑ ጥሜትን ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግብን ኣጋጢሙ እዚ ድማ ሞት ኣኸቲሉ ይብል እቲ መፅናዕቲ።

መጠነ-ሰፊሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ምግብን ዘይተገደበ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝን እነተዘይሃልዩ ናይ ሚሊዮናት ዜጋታት ሂወት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ከምዝወድቕ ሓቢሩ።

ሕቡራት ሃገራት ሓልሓሊፉ ናብ ትግራይ ይኣቱ ዝነበረ ኣዝዩ ውሑድ ሓገዝ ጠቕሊሉ ከምዝተኸልከልን መድሓኒት፣ ነዳድን ጥረ ገንዘብን ድማ ብፍፁም ከምዘይኣቱን ምግላፁ ይዝከር።