ብሄራውያን ውድባት ትግራይ፡ ንትግራይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝግበር ዘተ ክሳተፉ ደጊሞም ኣተሓሲቦም።

ሳልሳይ ወያነ ትግራይ “ሳወት”፣ ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ “ባይቶና”ን ውድብ ናጽነት ትግራይ “ውናት”ን ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ፡ ዝኾነ ዝርርብ ሰላም ንህወሓት ጥራይ ዘሳትፍ ክኸውን ከምዘይብሉ ገሊፆም።

ኣብ ትግራይ “ዘላቒ ሰላም ክሰፍን ዝኽእል ምስ ህወሓት ብዝግበር ዝርርብ ጥራሕ እንተይኮነስ ንኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ምስዘሳትፍ ከምዝኾነ ኣተሓሳሲቦም።

ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ እተካይዶ ዘላ ደብዳብ ነፈርቲ ደው ክተብል፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ክኣቱ ክትፈቅድን ነቲ ኲናት ዘጋድድ ዘሎ ኢድኣታውነት ካልኦት ሃገራት ደው ንኽብልን ማሕበረሰብ ዓለም ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድን እቶም ውድባት ፀዊዖም።

ሰለስቲኦም ብሄራውያን ውድባት ትግራይ፡ ንትግራይ ኣመልኪቱ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ዘተ ክሳተፉ ተደጋጋሚ ፃውዒት ንመንግስቲ ትግራይ እናውፅኡ ምምፅኦም ዝዝከር እዩ።