ኩለመዳይ ዕፅዋ ንምፍንፃሕ ኩለመዳይ ሓገዝ ከምትገብር ማሕበር ደቂ ኣነስትዮ ነጋዶ ትግራይ ኣፍሊጣ።

ሰራዊት ትግራይ ንሰላማዊ መፍትሒ ዕድል ንምሃብ ምንስሓቡ ስዒቡ ወረርቲ ሓይልታት ዳግም ጥፍኣት ህዝቢ ትግራይ ተመንዮም ፃዕርታት ይገብሩ ምህላዎም ዝጠቐሰ መግለፂ ማሕበር ደቂ ኣነስትዮ ነጋዶ ትግራይ ህዝቢ ትግራይ መንነቱን ህላውኡን ንምውሓስ ተዋዲዱ ይሰርሕ ምህላው ሓቢሩ።

እታ ማሕበር እውን ህዝቢ ትግራይ ንምውሓስ ንዝወፈረ ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ ኩለመዳይ ሓገዝ ትገብር ምህላዋ ኣፍሊጣ።

ህዝቢ ትግራይ ብኩለመዳይ ዕፅዋ ኣብ ከቢድ ፈተና ህልውና ከምዝርከብ ዝሓበረት ማሕበር ደቂ ኣነስትዮ ነጋዶ ትግራይ ሐዚ እውን ወረርቲ ሓይልታት መሊኦም ካብ መሬት ትግራይ ክሳብ ዝወፁን ንህልውናና ስግኣት ናብ ዘይኾኑሉ ብርኪ ክሳብ ዝወርዱን ፀኒዑ ክቃለስ ፀዊዓ።

እታ ማሕበር ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ ንምድጋፍ ብሎጂስቲክስን ካልኦት ሜላታትን ብዕቱብ ትሰርሕ ምህላዋ ብምጥቃስ መንእሰይ ፀላእቲ ንምቕባር ናብ ታዕሊም ክወርድ ከምዝግባእ ሓቢራ።