ኣብ ስቓይ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ግዚኡ ሐዚ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ዓለምለኻዊ ትካል ሕጊ ሕብረት ኣውሮፖን በዓል ሞያ ሕጊን መሓመድ ራፋት ሓቢሩ።

ማሕበረሰብ ዓለም ጥምየት ከምመሳርሒ ኲናት ከይውዕል ፅኑዕ ቅዋም ክህልዎ ከምዝግባእ ፕሬዚዳንት ዓለምለኻዊ ትካል ሕጊ ሕብረት ኣውሮፖን በዓል ሞያ ሕጊን መሓመድ ራፋት ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ስርዓት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘካይዶ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ዕፅዋን ክባን ደው ንኸብሎ ማሕበረሰብ ዓለም ህፁፅ ስጉምቲ ክወስድ እውን ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ማለት ብሰንኪ ጥምየት ኣብ ኣፍ ሞት ዘሎ ህይወት ሚልዮናት ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ክሓትት ኣለዎ ክብል ገሊፁ።

ብምዃኑ እውን እቲ ን421 መዓልታት ኣብ ስቓይ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ግዚኡ ሕጂ ከምዝኾነ መሓመድ ራፋት ኣገንዚቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ሕብረተሰብ ብህይወት ናይ ምንባር መሰል ብካሊእ ሓይሊ ዝለገሰሉ ውህብቶን ዝቱከበሉን ከምዘይኮነ ኣረዲኡ።

ከምኡ እውን ሓደ ሕብረተሰብ ከምሮሆቦት “ባምቡላ” ኣብ ትሕቲ ገዛእትን ጨካናትን እንዳተሳቐየ እንዳራእኻ ከምዘይራእኻ ምሕላፍን ፍትሒ ምኽላእን ናይ ገበን ገበን ከምዝኾነ ገሊፁ።

ናይዚ ቀንዲ ኣብነት ድማ ኣብ ፍሊስጤም፣ ኢትዮጵያን የመንን ዘሎ ኩነታት ምርኣይ ከምዘድሊ ሓቡሩ።

ከምኡ እውን ኣቢ ኣሕመድ ንዘተ ሰላም ይኹን ሰላም ከውርድ ዘይኽእል ዘይሕጋዊ መራሒ ከምዝኾነ መሓመድ ራፋት ገሊፁ።

ወተሃደራቱ ድማ ኣብ ልዕሊ ትግራይ፡ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጅምላዊ ጨፍጫፍን ከምዝፈፀሙ ኣረዲኡ።

ብተወሳኺ ድሮናት ዓረብ ኤምሬትስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝገብራኦ ዘለዋ ጨፍጫፍ ማሕበረሰብ ዓለም ሪእዩ ከምዘይረኣየ ምሕላፉ ከምዘሕዘኖ እውን መሓመድ ራፋት ምግላፁ ይዝከር።