ትግራይ ካብ ደቡብ ኮሪያ ትምሃሮ ዶ ኾን ይህሉ?

ደቡብ ኮርያ ክሳብ 1960 ዓ/ም/ፈ ካብተን ድኻታት ዝብሃላ ሃገራት ዓለም ሓንቲ እያ ነይራ። ዳርጋ ኹለን ሃገራት ኣፍሪካ ድማ ካልእ እንተይጸብጸብና፣ ብዝነበረን ተፈጥራዊ ሃፍቲ ጥራሕ እኳስ ይበልፃኣ ነይረን።

ደቡብ ኮርያ እዙይ ተባሂሉ ጎሊሁ ዝፅራሕ ሃፍቲ መዓድን የብላን። ዋላ ሓንቲ ጠብታ ነዳዲ ዘይተዓደለት፣ ዳርጋ ፍርቂ ኣዋርሕ ዓመታ ክረምቲ ብምዃኑን ጎቦታት ዝበዝሖ ገፀ ምድሪ ብምውናን ሰብ እናሓረሰ ዝጠምየላ ንሕርሻ ‘ውን ኣፀጋሚት ዝኾነት ሃገር እያ። ኣብ ልዕሊ ምንኣሳ ካብቲ ዘለዋ ስፍሓት መሬት እቲ 70 ሚታዊ መሬታ ጎቦታት ብሙዃኑ፣ ንምሕራስ ጥራሕ ዘይኮነስ ህንፃ ንምስራሕ እውን ብጣዕሚ መፀገሚት ዝኾነ ገጸ-ምድሪ ዘለዋ ንእሽቶን ሃገር እያ። ብርሰት ኣግራብ ኣሳቕይዋ ጥራሓ ዝወፀት፣ ማይ ከርሰ ምድሪ እውን ዘይነበራን ዓዲ እያ ነይራ።

ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ካብ 1950-1953ዓ/ም/ፈ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ኸቢድ ደማዊ ውግእ ንደቡብ ኮርያ ሙሉእ ብሙሉእ ከዕንዋ ኽኢሉ እዩ። ብመከራ ዝተሰርሑ ህንፃታታን ካልኦት መሰረተ-ልምዓትን በቲ ዂናት ዑና ኾይኖም። በቲ ንሰለስተ ዓመት ዝተኻየደ ከቢድ ደማዊ ውግእ ምኽንያት ዝሞቱ በዝሒ ኮርያውያን ድማ ልዕሊ ኣብ ካልኣይ ዂናት ዓለም ዝሞቱ ሰባት ከምዝኾነ ታሪኽ የዘኻኽር።

ብምኽንያት እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቀሱ ብድሆታት ድማ ደቡብ ኮርያ ካብተን ኣብ 1960ታት ዝነበራ ድኻታት ሃገራት ብድኽነት ቅድሚት እትስራዕ ሃገር ክትኸውን በቕዐት።

ድሓር ግን ደቡብ ኮርያ እዚ ኹሉ ሓሊፋ፣ ካብ ዓለምና ብሃፍቲ ቅድሚት ካብ ዝስርዑ ምዕቡላት ሃገራት ክትኸውን በቒዓ እያ። ሎሚ ከም ደቡብ ኮርያ ክትኸውን ዘይትብህግ ኣብ ከይዲ ዕብየት ትርከብ ሃገር የላን። ኣብ ሓፂር እዋን ዓውዪ ቁጠባዊ ዕብየትን ኩሉ መዳያዊ ምዕባለን ብምምዝጋብ ከም ኣብነት ካብ ዝጥቀሳ ውሕዳት ሃገራት ሓንቲ እውን እያ።

ብዛዕባ ህልዊ ኹነታት ደብቡ ኮርያ ቁሩብ ንምጥቃስ ዝኣክል፣ ሎሚ እታ ሃገር ብቁጠባዊ ዕብየት ካብ ዓለም መበል 12 ደረጃ ትስራዕ። ቅድሚ ዝተወሰነ ዓመት ካብ ዝነበረ 100 ዶላር ዓመታዊ ነብሲ ወከፍ እቶት ሎሚ ናብ 34,865 ዶላር ክዓቢ ዝገበረት መስተንክራዊት ሃገር እያ። ዝተፈላላየ ፍርያት ሰደድ ብምግባር እውን ተወዳዳሪት እያ። ካብቶም ናብ ዕዳጋ ካልኦት ሃገራት ሰደድ እትገብሮም ውሑዳት መገረምቲ ፍርያታ ድማ ቡን፣ ነዳዲ፣ ኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስ መኻይንን ተጠቀስቲ እዮም።

ደቡብ ኮርያ ቡንን ነዳድን ዘይብላ ከመይ ገይራ ብሰደድ ንጥፍቲ ኾይና ንዝብል ሕቶ፣ ሳላ ብሉፃት ፋብሪካታታን መሃዝቲ ቴክኖሎጅን ዝወነነት ካብ ካልኦት ዓድታት ጥረ ቡንን ድፍድፍ ነዳድን ተቐቢላ ብፅሬት ብምቅንብባርን ብምዕሻግን ከምኡን ብምፅራይን እያ እንደገና ብምሻጥ ብልጫ ዝወሰደት።

ብመዳይ ፍርያት ኤሌክትሮኒክስ፣ ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጅን እውን ዝተፈላለዩ ውፅኢታት ቴክኖሎጂ ቅድሚት እትስራዕ ሃገር እያ።ካብቶም ብሉፃት ፍርያታ ድማ SAMSUNGን LGን ይርከብዎም።

ደቡብ ኮርያ ን30 ዓመታት ብጃፓን ዝተገዝአት ምዃና ዝፍለጥ እዩ። ኾይኑ ግና እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐሱ ኩባንያታት ኤሌክትሮኒክስ፣ ካብቶም ን30ዓመታት ዝገዝአቶም ጃፓን እትውንኖም ከም ኩባኒያ Panasonic በሊፆም ቅድሚት ዝተሰርዑ ፍረ-ረሃፅ ኩባንያታት ደቡብ ኮርያ እዮም።

ቅድሚ 40 ዓመት ደቡብ ኮርያ ዋላ ሓንቲ መኪና ናይ ምፍራይ ዓቅሚ ኣይነበራን። ሎሚ ግን ሃዩናዳይ (Hyundai) ዝተብሃለ ትካል መፍረይ መኪና ብመዓልቲ ሽዱሽተ ሽሕ (6000) መኻይን የፍሪ። እዚ ትካል ብጣዕሚ ብዝገርም መልክዑ ኣብ ውሽጢ 10 ሰከንድ ሓንቲ መኪና ናይ ምፍራይ ዓቅሚ ዘኻዕበተ ትካል እዩ።

ደቡብ ኮሪያ ሪፓብሊክ ብልምዓት ከተማ እውን እንተኾነ ኣብ ቅድሚት እትስራዕ ሃገር እያ። ቅድሚ ዝተወሰኑ ዓመታት መንገዲ ኣስፋልት ሕርማ ዝነበረት ዓዲ ሎሚ በዓል 125 ደብሪ ሓዊሱ ቁፅሪ ዘይብሎም ምዕሩጋት ህንፃታት ብምህናፃ ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዋ ውቅባት ሃገራት ሓንቲ ክትኸውን ዝኸኣለት ሃገር እያ።

ብምሕዋይ ከባቢ እተወሲድና ድማ ሓመዳን ኣግራባታን ተጓሕጉሑ ዝነበረ ሃገር፣ ብጀነራል ፓርክ ብዝተመርሐ ን10 ዓመት ተግባራዊ ዝተገበረ ፖሊሲ ዳግመ ግራባን ዕቀባ ማይን ሓመድን፣ ሎሚ ደቡብ ኮሪያ እታ ፅዑቕ ደን ዘለዋን ሓመለወይቲ ዓድን ክትኮን ገይርዋ ይርከብ። በቲ ን10 ዓመት ብዘይ ዕርፍቲ ዝተተኸለ ፈልስን፣ ዝተሰርሐ ዕቀባ ሓመድን ማይን ድማ ሎሚ ማይ ከርሰ ምድሪ ኣብታ ዓዲ በሽበሽ እዩ። ‘’ኩሉ ቡንባታት እታ ሃገር ተኸፊቶም ማይ እንተዝፈስስ እውን ዝውዳእ ማይ የብላን’’ እናተባህለ ዝቕለደላ ዓዲ እያ።

ብመዳይ ተፈጥራዊ ሃፍቲ ዘኹርዕ ነገር ዘይብላ፣ ንሕርሻን ህንፃን ዝጥዕም ዝሓሸ ገጸ መሬት ዘይተዓደለት፣ ከምኡ እውን ብዂናት ዝዓነየት ዓድስ ብኸመይ ድኣ ተኣምር ብዝመስል መልክዑ ኣብ ውሑድ ዓመታት ናብዚ ዕብየት ክትበቅዕ ኸኣለት እንተተባሂሉ ድማ ደቡብ ኮርያውያን መልሲ ኣለዎም።

ብኣፃብዕቶም ናብ ሓንጎሎም እናመላኸቱ “ኣብ ኣእሙሮና ፈሰስ (invest) ስለዝገበርና እዮ’’ ይብልኹም። ደቡብ ኮርያ ዝረኣየ ሰብ ናይ ኣእሙሮ ወያነ ክንዲ ምንታይ ጠቓሚ ከምዝኾነ ንምስትውዓል ኣይኸብዶን። እዙይ ግን ኣሜሪካውያን ብልምዓት ማርሻል ፕላን ኣቢሎም ኣብታ ሃገር ዘፍሰስዎ ገንዘብ ከምዘሎ ኾይኑ ማለት እዩ።

ትግራይና ልዕሊ ደቡብ ኮርያ ብተፈጥራዊ ፀጋታት ዝተዓደለት እያ። ደቡብ ኮርያ ዘይብላ ነዳዲ ሓዊሱ ብዙሓት ተፈጥራዊ መዓድናት ኣለዉዋ። እዚ ማለት ንዓና ብዝጥዕም መንገዲ ደቡብ ኮርያ እንድሕር ተኸቲልና ልዕሊ ደቡብ ኮርያ ናይ ሙኻን ሰፊሕ ዕድል ኣለና ማለት እዩ። እዚ ዝኸውን ግን ሓደሽቲ ሓሳባት ናይ ምቕባል ዓቅምና እንተድኣ ኣዕቢናዮ ጥራሕ እዩ። ኣብ ኣእሙሮና እንድሕር ዘይሰሪሕና፣ ከምቶም ዝመፃናሎም ዘውደቁና ሕሉፍ መንገድታት ሓደሽቲ ሓሳባት እናፈራሕና ተቀፂልና ግን፣ ኣሽንኳይዶ ከም ደቡብ ኮርያ ክንዓብስ፣ ከምታ ካብ ዓለም ብተፈጥሮ መዓድናት ቀዳመይቲ ዝኾነት፣ ነገር ግን ኣብ ዓለምና ካብ ዘለዋ ድኻታትን ድሑራትን ሃገራት ሓንቲ ዝኾነት ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ኮይንካ ምቕራይ እዩ ዕጫና።

ንጥይት ዘይንፈርሕ ህዝቢ ንሓደሽቲ ሓሳባትን ለውጥን ክንፈርሕ ኣይግባእን። ለውጢ ድማ ካብ ኣተሓሳስባ እዩ ዝጅምር። ከምቲ ደቡብ ኮርያውያን ሓዱሽ ሕልሞም ንምስኻዕ ሓዱሽ ቑሸት መሰረት ዝገበረ ምንቅስቓስ (New village movement) ዝበሃል ምንቅስቃስ ብምውላዕ፣ ኢደይ ኢድካ ተባሃሂሎም ብስምረት ብምስራሕ ዓዶም ዝሃነፁ፣ ንሕና እውን ፀላእትና ብቕልጡፍ መኪትና ኣብ ሓፂር እዋን ዓባይ ምዕብልቲ ሃገር ንምህናፅ ንስመር። ካብቲ ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኹነታት ደቡብ ኮሪያ ድማ ንሕና ሎሚ ብዝሓሸ ደረጃ ሓሳባት ብናፃነት ብምልውዋጥ ዝሓሸ ምሕደራ ክህልወናን ክንለምዕን ንኽእል ኢና። ኣብ ኹሉ ብኹሉ ንወይን! እናሃለወና ከምዘይብልና ኣይንኹን!!